ብንያም ስምኦን፤ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ 2025 ተዓዊቱ

RADIO ERENA _ Thursday, 18 September 2025

ጋዜጠኛን መስራቲ ራድዮ ኤረናን ብንያም ስምኦን፡ ኣብ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት፡ ምህናጽ ሚድያዊ ትካል ከምኡ ድማ ባህሊ ሚዛናዊ ትሕዝቶ ዜና ብምትብባዕ፡ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2025 ተጐናጺፉ። ኮሚተ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2025 ትምኒት ተስፉ፣ ሄኖክ ተስፋብሩኽ ከምኡ’ውን የማነ ሃይለ፥ ብዘቕረብዎ ጸብጻብ መሰረት፡ ‘ኣፍልጦ ይግበኦም’ ተባሂሎም ብደጋፊ መረዳእታ ካብ ዝተረቚሑ ሕጹያት፡ መምዝኒ ነጥብታት ተኸቲሎም ብዝሃብዎ ድምጺ ብንያም ስምኦን ዝለዓለ ነጥቢ ብምርካብ ነቲ ሽልማት ከም ዝበቕዐ ሓቢሮም።

ብንያም ቅድሚ ናብ ስደት ምውጽኡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ከም ኣቕራቢ ዜና፡ ክኢላ ቴክኒክ፡ ቪድዮግራፈርን ኣርትዓይን ኰይኑ ሰሪሑ።

ኣብ ስደት፡ ኣብ 2009, ብንያም ምስ ብጾቱ ብምዃን ካብ ከተማ ፓሪስ እትፍኖ ሳትላይት ራድዮ ኤረና መስሪቱ። ምምስራት ናይታ ብቛንቋታት ትግርኛን ዓረብን እትፍኖ ማዕከን ዜና፡ ነቲ ካብ 2001 ምስ ምእጋድ ናይ ብሕቲ ሚድያታት ተኣሳሲስሩ ዘጋጠመ ናይ ዜናን ሓበሬታን ክፍተት ኣብ ምምላእ ልዑል እጃም ኣበርኪታ። ራድዮ ኤረና ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ዕላማ ዘንቀለን ከም ራድዮ ኣሰና፡ መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ፡ ዓዋተን ወዘተ ብምዃን፡ ነቲ ብናይ መንግስቲ ሚድያታት ጥራይ ዝወሃብ ፕሮፓጋንዳ ዝብድህ መለሳ ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ ዝጭበጥ ጽልዋ ኣመዝጊባ።

ከም ፈላማይ ዳይረክተር ራድዮ ኤረና፤ ብንያም፡ ትካል ኣብ ምህናጽን፡ ብቕዓት መደባት ኣብ ምክትታልን ዓቢ ግደ ኣበርኪቱ። ምኵራትን መንእሰያትን ጋዜጠኛታትን ብምስታፍን ባይታ ብምፍጣርን ንነዊሕ ዓመታት ከየባተኹ ንኽቕጽሉ ብምግባር ናይ ኣመራርሓ ብቕዓቱ ኣንጸባሪቑ።

እታ ራድዮ ኣብ ውሱን ዓውዲታት ከይተደረተት፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ስፖርት፡ ስነጥበብ፡ ቊጠባ፡ ዜና፡ ትንተና ወዘተ. ዘድሃቡ መደባት ብምቕራብን ብምፍናውን ኵሉ መዳያዊ ኣቓልቦ ክትረክብ ክኢላ። ሞያዊ ምጽራይ ዝተገብረሎም ሚዛናውያን ሓበሬታ ብምዝርጋሕ እትፍለጥ፥ ትካላዊ ተኣማንነት ዘጥረየት ማዕከን ዜና ኰይና ክትርከብ ጻዕርን መሪሕነትን ብንያም ልዑል ነይሩ።

ኣደ-መንበር ኮሚተ ሽልማት ትምኒት ተስፉ፤ “እታ ኮሚተ ብ ተወፋይነት፡ ዓቕሊ፡ ብቕዓት መሪሕነት፡ ጭውነትን ብንያም ኣመና እያ ተደኒቓ። ምስ ዅሉ ንዋታዊ ሕጽረታት፡ መጠን ኣልቦ ፖለቲካዊ ተጻብኦታት፡ ሕጽረት ሓበሬታን እናተጋፈጠ፡ ከም መስራትን ዳረክተርን ሓላፍነቱ ብምውጻእ ብዘይምሕላል ብሉጽ ኣበርክቶ ምውፋዩ ዓቢ ናእዳ ኣለና”

ኣባል ኮሚተ ሽልማት የማነ ሃይለ፤ “ብንያም ስምኦን፡ ጸጋታት ማሕበራዊ ሚድያ ተጠቒሙ ዝናን ህቡብነትን ከሳሲ ዘይመረጸ፡ መትከላትን ስነምግባርን ጋዜጠኝነት ኣብ ግብሪ ካብ ዘውዓሉ ውሑዳት ሓደ እዩ”

ሽልማት ፐን ኤርትራ ካብ 2019 ጀሚሩ ዓመታዊ ዝዕደል ሽልማት ኰይኑ፡ ኣብ ምድንፋዕ ስነጽሑፍን ምዅስኳስ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ልዑል ኣበርክቶ ንዘርኣዩ ውልቀ-ሰባት፡ ትካላትን ጕጅለታን ይዕደል። ተዓዋቲ/ት ሽልማት ፐን ኤርትራ ኣርማ ፐን ኤርትራ ዝተቐርጾ ንሻንን $1,000 (ሓደ ሽሕ ዶላር ኣመሪካ) ይቕበል።

ዕዉት ሽልማት ፐን ኤርትራ ዓመታዊ 18 መስከረም ዝእወጅ ኰይኑ፣ ነቲ ኣብ 2001 ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስ ኤርትራ ዝተኣወጀ እገዳ ንምዝካር ንዕኡ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ዝተወስደ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ንምቅዋም፡ ከምኡ ድማ ነቲ ዝተኣስሩሉ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ዝሕመረቱ ውርሻ ንምድማቕ ዝዓለመ እዩ።

ዕዉት ሽልማት ፐን ኤርትራ 2025 ብንያም ስምኦን፡ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሚላኖ-ጥልያን ኣብ ዝካየድ ዓመታዊ ኣኼባ ፐን ኤርትራን ወግዒ ምዕዳል ሽልማትን ተረኺቡ ዓወቱ ክጽንብል እዩ።

 

ምንጪ፦https://peneritrea.com/blog/ብንያም-ስምኦን፤-ሽልማት-ናጽነት-ምግላጽ

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0