ብሪጣንያ፣ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ሓድሽ ሕጊ ተጽድቕ

Radio Erena: Friday, 17 November 2023

ብሪጣንያ፣ ትማሊ ሓሙስ ንስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ንምልኣኽ ዝተገብረ ሓድሽ ውዕል “ኣብ ውሽጢ መዓልታት” ንኽጸድቕ ድሉው ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጻ።

ቤት ፍርዲ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተገብረን ኣካታዒን ስምምዕ ዘይሕጋዊ እዩ ኢሉ ድሕሪ ምንጻጉ፣ እቲ ብድሕሪኡ ብኣባላት ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ዝቐረበ ንኽጸድቕ እንተወሓደ ሰለስተ ሰሙን ዝወስድ ሓድሽ ውዕል፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትማሊ ረቡዕ ዝሃቦ ውሳኔ እዩ፣ እንተኾነ ግን ቅድሚኡ ክትግበሩ ዘለዎም ስምምዓት ከም ዘለዉ ተገሊጹ ።

እዚ ድማ ነቲ ቁጽሪ ስደተኛታት ንምንካይ ጸቕጢ ዝግበረሉ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ዓቢ ብድሆ እዩ ነይሩ።

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ሓሙሽተ ዳያኑ ዝሓቖፈ ፓነል፣ ነቲ ኣቐዲሙ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ፡ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስጓግ ፖሊሲ ምስ ኣህጉራዊ ግዴታታት ብሪጣንያ ዘይቃዶ ምዃኑ ብሙሉእ ድምጺ ወሲኑ ነይሩ።

እቶም ዳያኑ፣ ርዋንዳ ውሕስቲ ሳልሰይቲ ሃገር ከምዘይኮነትን፡ ስደተኛታት ብሓይሊ ናብቲ እንደገና ስደት ከጋጥሞም ዝኽእል ቦታታት ክትመልሶም ከምትኽእል ብምእማን ነቲ ዝቐረበ ስምምዕ ነጺጎሞ።

ርዋንዳ፣ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ውሕስቲ ሃገር ምዃና ኣረጋጊጽና ኢና ክትብል ጸሓፊት ክፍሊ ዘቤታዊ ጉዳያት እታ ብሪጣንያ፣ ስዌላ ብሬቨርማን ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።

ሱናክ ነዚ ሕጋዊ ብድሆታት ንምብዳህ ንሩዋንዳ ውሕስቲ ሃገር ክትከውን ምግባራን ዝተቐበለቶም ስደተኛታት ውን ናብ ካልእ ሃገር ከይትሰጉግ ዝቕይድ “ህጹጽ ሕጊ” ናብ ባይቶ ንምትእትታው መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀምስ ክለቨርሊ ትማሊ ሓሙስ ንስካይ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ “ሕጂ ዳርጋ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ክግበር ዝኽእል ውዕል ክቕየር ድሉው’ዩ ፣ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ኣይኮነን፣ እዚ ድማ ነቲ ናብ ብሪጣንያ ዘይስሩዕ ስደት ንምንካይ ጸቕጢ ዝግበረሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ዓቢ ዓወት እዩ” ኢሉ ።

ብሪጣንያ፣ ካብ ጥሪ 2022ኣትሒዞም፣ ብጀላቡን ካልእ ዘይሕጋዊ መንገዲን ንዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ናብ ርዋንዳን ንምግዓዝ ናይ ኣስታት 150 ሚልዮን ዶላር ውዕል ምኽታማ ይፍለጥ።

እታ ሃገር፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፣ ቀዳማይ ዙር ምግዓዝ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምትግባር ተበጊሳ እኳ እንተነበረት፣ ብውሳኔ ቤት ፍርዲ ኮሚሽን ኤውሮጳ፣ ኣብ ውዱእ ሰዓት ከምዝተሰረዘ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ብሪጣንያ እቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብምምጻእ፣ እቲ መስርሕ ሕጋዊ ምዃኑ ስለዝተወሰነሉ፣ ዳግም ንምትግባሩ ይጽዕር ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0