RADIO ERENA – Tuesday, 14 January 2025
ብሪጣንያ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ፈረንሳ ኣብ ዘዋስና ክሊ ማይ ከተተኣታትዋ ምዃና ንዝግለጽ ሓድሽ ናይ ሓለዋ ኣገባብ ንምቕዋም ሰላማው ሰልፊ ተኻይዱ።
ኣብቲ ብ12 ጥሪ፣ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ከተማ ካሌ ዝተኻየደ ካሌ፣ ወከልቲ ናይ ልዕሊ 70 ትካላት ግብረ ሰናይን ተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ፖለቲካውያን ውድባትን ከምዝትሳተፉ መርበባት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።
ኣንጻር ስደተኛታት መርገጺ ዘለዋ ከንቲባ ከተማ ካሌ፣ ናታሻ ቡሻር፣ እቲ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎምን ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ ዝተኣኻኻቡ ስደተኛታት‘ውን ዝተሳተፍዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ‘ሕጋዊ ኣይኮነን‘ ክትብል ክትዓግቶ እኳ እንተፈተነት፣ ክትዕወት ኣይከኣለትን።
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ፈረንሳ ዝርከባ ኣስታት 150 ትካላት ግብረ ሰናይ‘ውን ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዘለወን ድጋፍ ዝገልጽ ሕጋዊ ደብዳቤታት ክታምን ልኢኸን።
ብሪጣንያ፣ ነቲ ምስ ፈረንሳ ዘዋስና ከባቢታት ብጽኑዕ ክትዓጹ ምዃና ደጋጊማ ትገልጽ እኳ እንተኾነት፣ ኣብዛ ዝሓለፈ ዓመተ 2024 ጥራይ፣ ኣስታት 37 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታት ብብናይ ጎማ ጀላቡ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ክኢሎም ‘ዮም።
ይኹን‘ምበር ኣብታ ዓመት እቲኣ፣ ኣስታት 20 ኤርትራውያ ዝርከብዎም 89 ሰባት‘ውን ጥሒሎም ህይወቶም ከምዝሓለፈ ጸብጻብ ፖሊስ ፈረንሳ የመልክት።
ብሪጣንያ፣ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ሳልሳይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ርዋንዳ ሃገር ናይ ምስግጋር መደብ ደው ከምዘበለቶ እኳ እንተተጠቕሰ፣ ምስ ፈረንሳ ዘዋስና ክሊ ማይ ብጽኑዕ ንምዕጻው ኣብ ምምይያጥ‘ያ ትርከብ።
====================
COMMENTS