ብሪጣንያ፣ ኣኽረርቲ የማናውያን፣ ንልዕሊ 30 መዕቖቢታት ዒላማ ክገብሩ መደብ ከምዘለዎም ተሓቢሩ

RADIO ERENA – Wednesday, 07 August 2024

ብሪጣንያ፣ ኣንጻር ስደተኛታት ናዕቢ ዘካይዱ ዘለዉ ኣኽረርቲ የማናውያን፣ ንልዕሊ 30 መዕቖቢታት ዒላማ ክገብሩ መደብ ከምዘለዎም ፖሊስ ሓቢሩ።

ዛጊት ኣብ ሮተርሃም፣ ታምዎርዝ፣ በርሚንግሃምን ካልኦት ከተማታትን፣ ንማእከላት መዕቖቢ ስደተኛታት ኣጥቂዖም ዘለዉ እቶም ሕሉፋት የማናውያን፣ መጥቃዕታቶም ኣንጻር ስደተኛታት፣ ብፍላይ ኣመንቲ ምስልምና ክቕጽል ምዃኖም ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

እዚ ኣብ ብሪጣንያ፣ ድሕሪ 13 ዓመታት ዝካየድ ዘሎ፣ ብዓይነቱ ፍሉይ ምዃኑ ዝግለጽ፣ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ናዕብን ተቓውሞን፣ ብሓያሎ ፖለቲከኛታት ዝተፈላለየ ትንታነታት ይወሃቦ ኣሎ።

መንግስቲ ብሪጣንያ፣ ከምዚ ዓይነት ናዕቢ ኣንጻር ስደተኛታት ክካየድ ምዃኑ ኣቐዲማ ክትፈልጥን ክዳሎን ብዘይምኽኣሉ ዝነቕፉውን ብዙሓትዮም።

እቶም ናዕበኛታት፣ ስደተኛታት ካብ ሃገርና ይውጽኡ፣ ሃገርና ምለሱልና፣ ዝብልን ካልእ ናይ ጽልኢ ጭርሖታትን ብምልዓል ዮም ተቓውሞ ዘካይዱ ዘለዉ፣

እዚ ኣብ ብሪጣንያ፣ ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ብዘለዎም ጉጅለታት፣ ኣንጻር ስደተኛታት ዝካየድ ዘሎ ጎነጽን ናዕብን ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ከይልሕም ይስጋእ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0