ብሪጣንያ፣ ኣኽረርቲ የማናውያን፣ ሓተቲ ዑቕባ ንዝዕቆብሉ መዕረፍ ኣጋይሽ ኣጥቂዖም

RADIO ERENA – Monday, 05 August 2024

ኣብ ብሪጣንያ፣ ኣንጻር ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎም፣ ኣኽረርቲ የማናውያን ጉጅለታት፣ ሓተቲ ዑቕባ ብግዝያውነት ንዝጸንሕሉ ሆቴላት ኣጥቂዖም።

እቶም ሕሉፋት የማናውያን ጉጅለታት፣ ብሰንበት 04 ነሓሰ፣ ኣብ ከተማ ሮተርሃም ኣብ እትርከብ፣ ሓተቲ ዑቕባ ዝጸንሕላ፣ ሆሊደይ ኢን ኤኬስፕረስ ኣብ ዝተባህለት መዕረፍ ኣጋይሽ፣ ኣብ ኣፍደገ ብምትእኽኻብ፣ ናብ መሳዅቲ መዓጹን ኣእማን ክድርብዩ እንከለዉ፣ ናይ ጎሓፍ ባጎኒታትን ካልእን ብምቅጻል፣ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ጸርፊን ጭርሖታትን ኣስሚዖም።

ፖሊስ፣ ነቶም ናዕበኛታት ንምብታን ኣብ ዝፈተንሉ፣ ብኣእማ፣ ኣባትርን፣ ዝባራዕ ተወርዋሪ ነገራትን ከምዝተሃርሙ ዩ ተሓቢሩ።

ሓደ ኣባል ፖሊስ በቶም ናዕበኛታት ቆሲሉ፣ ንሓለዋ ካብ ዝዝንብያ ብዝነበራ ሄሊኮፕተራት ብህጹጽ ተላዒሉ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።

ኣብ ታምዎርዝ፣ በርሚግንሃምን ካልኦት ከተማታትን ብሪጣንያ ተመሳሳሊ ተርእዮታት ከምዝነበረ ፖሊስ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ክየር ስታርመር ድሕሪቲ ፍጻሜ ብቴሌቪዝን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ እቶም ኣብዚ ናዕብዚ ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት፣ ክጠዓሱ ምዃኖም ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ብሪጣንያ፣ ኣንጻር ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዝቐንዐ ከምዚ ዓይነት ናዕቢ ክካየድ፣ ድሕሪ 13 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑዩ።

እዚ ድማ ምስ ስደተኛታት ከምዝደናገጽ ዝንገረሉ ሰልፊ ዕዮ፣ ድሕሪ 14 ዓመታት ናብ ስልጣን ምስ ምምጽኡ ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነ ተንተንቲ የረድኡ።

ብሪጣንያ፣ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ዝነበራ ውጥን፣ ሰልፊ ዕዮ ኣብ ሓምለ 2024 ናብ ስልጣን ምስ መጸ፣ ደው ከምዝበለ ይፍለጥ።

እዚ ድማ ኣንጻር ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ንዘለዎም የማናውያን ጉጅለታት እታ ሃገር ከምዘቖጠዐ ይንገር።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0