RADIO ERENA – Thursday, 20 March 2025
ኣብ ብሪጣንያ፣ ከተማ ሸፈልድ፣ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ መንጎ ክልተ ጉጅለታት ኤርትራውያን ኣብ ዝተኻይደ ባእስን ዕግርግርን ብዝወረደ ዕንወትን ካልእ ክስታትን ዝተጠርጠሩ 22 ሰባት ብፖሊስ ይህደኑ ኣለዉ።
ፖሊስ ደቡብ ዮርክሻየር፣ ብ18 መጋቢት፣ ኣብ መርበቡ ብዘስፈሮ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም ኣሳእሎም ብምዝርጋሕ ዝሃድኖም ዘሎ 22 ሰባት፣ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ 25 ግንቦት፣ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንምጽንባል ዝተኣኻኸቡ ኣስታት 200 ኤርትራውያን ንምብታእን ካብ ዝመጹ ካልእ ጉጅለ ኤርትራውያን ምዃኖም ኣመልኪቱ።
ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣትሒዙ፣ ብህግደፍን ኤምባሲ ኤርትራን ንዝውደብ ፌስቲቫላትን ጽምብል መዓልቲ ናጽነትን ኤርትራውያን ንምብታን ብስም ‘ብርጌድ ንሓመዱ‘ ዝተጠርነፉ ዝተፈላለዩ ጉጅለታትን ምንቅስቓሳት ደለይቲ ለውጢን ኤርትራውያን፣ ናዕቢን ጎነጽን ዝተሓወሶ ዘመተ ከካየዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ብሰንኩን ምስኡ ብዝተሓሓዝን፣ ኣብ እስራኤል፣ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኣመሪካን ካናዳን ብውሕዱ 11 ሰባት ክቕትተሉ እንከለዉ፣ ፖሊስ ንዝርከብዎም ብዙሓት ድማ ፈኵስን ከቢድን መጉዳእቲ ወሪድዎም።
ኣብ ርእሲ‘ዚ ኣብ ንብረት‘ው ከቢድ ዕንውት በጺሕ ‘ዩ።
ኣማኢት ካብቶም ኣብቲ ናዕብን ዕግርግርን ዝተሳተፉ ሰባት ብፖሊስ ተታሒዞም ክእሰሩ እንከለዉ፣ ዝበዝሑ በብእዋኑ ተፋንዮም።
10ታት ግና ኣብ ዘዝነብሩለን ሃገራት ዝተፈላለየ ክስታት ቀሪብሎም ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ኣብ ምጽራይ ይርከብ።
ኣብ ሆላንድ ንኣብነት፣ ካብ ኣዋርሕ ክሳብ ልዕሊ ዓመት ዝተፈርዱ ክህልዉ እንከለዉ፣ ኣብ እስራኤል፣ ጀርመን ብሪጣንያን ካናዳን ድማ ብተመሳሳሊ ማእሰርትን ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲን ዝጽበዮም ክሱሳት፣ ናብ ቤት ፍርዲ ይመላለሱ ከምዘለዉ‘ዩ ዝምልከት።
==============
COMMENTS