ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ኣዲስ አበባ ዝመጽኡ ኤርትራውያን ገያሾ፡ ብዱባይን ካልኦት ሃገራትን ናብ ዓዶም ይመለሱ ኣለዉ

RADIO ERENA – Wednesday, 11 September 2024

ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽኡ ኤርትራውያን ገያሾ፡ ብዱባይን ካልኦት ሃገራትን ናብ ዓዶም ይምለሱ አለዉ።

እቲ መንገዲ ኣየር፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መሰናኽላት ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኮይኑ ብዝብል ምኽንያት፡ ብሃንደበት ብ02 መስከረም ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ደው ድሕሪ ምባሉ፡ በቲ መንገዲ ኣየር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ዝነበሩ ሓያሎ ኤርትራውያን ገያሾ ኣብ ሻቕሎት ዮም ጸኒሖም።

እንተኾነ እቲ መንገዲ ኣየር ምስ ናይ ካልኦት መንገድታት ኣየር ብዝገበሮ ስምምዓት፡ ነቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ብቀጥታ ናብ ኣስመራ ክምለሱ ዝግብኦም ሓያሎ ኤርትራውያን ገያሾ፡ ብዱባይን ካልኦት ናይ ትራንዚት ሃገራትን የፋንዎም ኣሎ።

እቶም ኤርትራውያን ገያሾ፡ ካልእ ተወሳኺ ክፍሊታት እኳ እንተዘይተሓተቱ፡ ኣብ ትራንዚት ነዊሕ ሰዓታት ከሕልፉ ይግደዱ ምህላዎም ንራድዮ ኤረና ሓበሬታ ዝሃቡ ወገናት ኣረጋጊጾም።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0