ቤት ጽሕፈት ሳልቫ ኪር ንምእታው ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ወጺኡ

Radio Erena: Thursday 06 , June 2024
ካቢነ ሚኒስተራት ደቡብ ሱዳን፣ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ምእታው ዝኽልክል ሓደስቲ መምርሒታት ኣጽዲቑ።
ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት ብሰንኪ ጥዕናዊ ጸገም፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ካብ ወግዓዊን ማሕበራዊን ርክባት ተኸዊሉ እዩ ጸኒሑ።
ነዚ ናይ ጥዕና ጸገሙ ንምቅላል፣ ካቢነ ሚኒስተራት፣ ንፕረዚደንት ክረክብ ዝደለየ ዝኾነ በዓል ስልጣን፣ መጀመርያ መሕትት መሊኡ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ክሰድድ፣ ብድሕሪኡ ቆጸራ ተዋሂቡዎ ክመጽእ ዝእዝዝ መምርሒታት ኣውጺኡ።
ሓፈሻዊ ምርጫ ክካየድ ተቓሪቡሉ ኣብ ዘሎ እዋን ብከምዚ መንገዲ ርክብ ፕረዚደንት ክሕጸር ተደልዩ ዘሎ፣ ካልእ ፖለቲካዊ ዕላማ ኣለዎ ዝብል ምዕዝምዛም ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ይቐርብ ኣሎ።
እዚ ውሳኔ’ዚ፣ ንፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ጥራይ ዘይኮነ፣ ንኣማኸርቲ ፕረዚደንትን ናይ ጸጥታ ሰበስልጣንን ሓዊስካ ንሓያሎ ኣካላት መንግስቲ ስለዝትንክፍ፣ ግቡእ መጽናዕቲ ዘይተገብረሉ ቢሮክራስያዊ ኣሰራርሓ’ዩ፣ ዝብል መረረ’ውን ካብ ሰበስልጣን’ቲ መንግስቲ ይውሕዙ ኣለዉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0