RADIO ERENA – Tuesday, 01 April 2025
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ናይ ክልላት ጉዳያት ጣልቃ ክኣቱ ዝፈቕድ ሓድሽ ኣዋጅ ኣጽዲቁ።
እቲ ብሰሉስ 01 ሚያዝያ ጸዱቑ ብኡ ንብኡ ናብ ግብሪ ዝሰጋገር ሓድሽ ኣዋጅ፣ ነቲ ቅድሚ 22 ዓመታት ዝነበረ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ክልላት እታ ሃገር ጣልቃ ከይኣቱ ዝኽልክል ሕጊ ዘፍርስ‘ዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነዚ ሓድሽ ንድፈ ሕጊ ክጸድቐሉ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዘቕረቦ፣ ኣብ ትግራይ፣ ኣብ መንጎ ህወሓትን ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቖመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ፣ ዛጊት መዕለቢ ክርከበሉ ብዘይምኽኣሉ‘ዩ።
ድሕሪ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ፣ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ዝነበር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ክውግን እንከሎ፣ ሓያሎ ኣባላት መሪሕነት ህወሓት ድማ ናብ ኤርትራ የቛምቱ ከምዘለዉ‘ዩ ዝትንተን።
መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ሕዳር 2022 ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት፣ ብልፍንቲ ኣንጻር ህወሓት ተሰፍሊፎም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።
ኣብዚ እዋን‘ዚ ድማ እቶም ኣብ ጽልኢ ህወሓት ዝተመርኮሰ ስልታዊ ዝምድናን ልፍንቲን መስሪቶም ዝነበሩ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ምትፍናን ተሸሚሞም ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንኵናት ይደናደኑ ምህላዎም ህዝቢ ዝዕዘቦ ዘሎ ሓቒ‘ዩ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ክልላት ጣልቃ ክኣቱ ዝፈቕድ ሓድሽ ኣዋጅ ምጽዳቑ ድማ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ወሳኒ ተራ ክህልዎን ዝሰማምዕዎ መራሕቲ ንምምራጽን ምዃኑ ይእመት።
እዚ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ንፈደራላዊ ስርዓት ምሕደራ መግስቲ ዘይክተልን፣ ናብ ኣሃዲኣዊ ወይ ዩኒታሪ ስርዓተ መንግስቲ ዝዛዘወን‘ዩ።
=====================
COMMENTS