Radio Erena: Friday, 11 August 2023
ባንክ ዓለም፣ ንኡጋንዳ ዝህቦ ዝነበረ ምወላ ደው ከብሎ ከምዝወሰነ ተገሊጹ።
ሮይተርስ ብዘቕርቦ ጸብጻብ መሰረት፣ እቲ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል፣ ንኡጋንዳ ዝህቦ ዝነበረ ምወላ ደው ከብል ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ ምስቲ እታ ሃገር፣ ሓደ ዓይነት ጾታ ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ዘለዎም መጻምድቲ ዘሕለፈቶ ናይ ሞት መቕጻዕትን ናይ ሕልፈት ማእሰርቲን ዝተተሓሓዝ’ዩ።
ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቨኒ፣ ባንክ ዓለም ብዝገብሮ ዘሎ ጸቕጢ፣ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዓይነት ጾታ ኣብ ልዕሊ ዘለዎም መጻምድቲ ንዘሕለፎ ውሳኔ ከምዘይቕይሮ፣ ብ10 ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣነጺሩ።
ነቲ ካብ ባንክ ዓለም ክወሃብ ትጽቢት ዝነበሮ ምወላታት ካብ ካልኦት ኣለቓሕቲ ፊናንስያውያን ትካላት ንምርካቡ ከምዝጽዕሩ ድማ ኣሚቱ።
ባንክ ዓለም ኣብ ኡጋንዳ ናይ 5.2 ቢልዮን ፕሮጀክታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።
እንተኾነ እቲ ባንክ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ፣ ብሕጂ ንዝሃወብ ሓድሽ ምወላታት ድማ እምበር፣ ነዚ ኣቐዲሙ ኣብ መስርሕ ዘሎ ፕሮጀክታት ከምዘይጸሉ ጸብጻብ ሮይተርስ ኣመልኪቱ።
=======================
COMMENTS