ባንክ ዓለም፣ ንደረጃ ልዕሊ 400 ወደባት ዓለም ኣብ ዝሰርዓሉ፣ ንወደባት ኤርትራ ጎስይዎ

RADIO ERENA – Monday, 10 June 2024

ባንክ ዓለም፣ ኣብ ምጽዓንን ምርጋፍን ኮንተይነር ዘገልግል ልዕሊ 400 ወዳባት ዓለም ደረጃታት ኣብ ዝሰርዓሉ፣ ንወደብ ባርባራ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ደረጅኡ ብምምሕያሽ ምስ ቀዳሞት ሰሪዕዎ።

እቲ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል፣ ንናይ ዝሓለፈ ዓመተ 2023 ንጥፈታት ምርኩስ ብምግባር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ንወደብ በርባራ፣ ካብ 405 ወደባት ዓለም ኣብ መበል 106 ከስፍሮ እንከሎ፣ ንወደብ ሞምባሳ ናይ ኬንያ ድማ 328 ደረጃ ሂብዎ።

ብኣንጻሩ ወደብ ጂቡቲ ኣብቲ ጸብጻብ መብል 379 ተርታ ክሕዝ እንከሎ፣ ፖርት ሱዳን ድማ ኣብ መበል 388ይርከብ።

ጂቡቲ፣ ነዚ ዝሓለፈ ሰሙን ብባንክ ዓለም ዝወጸ ጸብጻብ ነጺጋቶ ኣላ።

እቲ ትካል፣ ንወደባት ዓለም ዝገምገመሉ ቀዳማይ መስፈሪ፣ ናይ ካርጎ መራኽብ፣ ናይ ኮንተይነራት ጽዕነተን ንምርጋፍ ዝወስደለን ግዜዩ።

በዚ መምዘኒዚ ወደባት ቻይናን ካልኦት ሃገራት ኤስያን ቀዳማይ ቦታ ሒዘን ይርከባ።

ወደባት ኤርትራ፣ ኣብዚ ብባንክ ዓለም ዝቐረበ ጸብጻብ ኣብ ገምጋም ኣይኣተወን።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0