ባሕቲ ግንቦት፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፣ ብደረጃ ዓለም ትዝከር

RADIO ERENA – Thursday, 01 May 2025

ባሕቲ ግንቦት፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፣ ሎሚ ሓሙስ ሓደ ግንቦት 2025: ብደረጃ ዓለም ትዝከር ኣላ።

ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት፣ ተኸሲቱ ብዘሎ ቁጠባዊ ብድሆታት፣ ፈረንሳ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት፣ ሰራሕተኛታት መሰሎም ክሕሎ ዝጽውዕ ኣድማን ናዕብን ብምክያድ ዮም ነዛ ዕለት ዝዝክርዋ።

ብኣንጻር እዚ፣ መሰል ሰራሕተኛ ፈጺሙ ኣብ ዘይክበረላ ኤርትራ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፣ ኣኼባታትን ስማዊ ሰልፊን ብምትእንጋድ ያ ትዝክሮ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ንኣህጉራዊ ሕግታት ዕዮን መሰል ሰራሕተኛታትን ዝጥሕስ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ፣ ከምዘሎዩ ዝግለጽ።

ዝበዝሐ ዓያዩ ሓይሊ ሰብ፣ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ዝተጸምደ ክኸውን እንከሎ፣ እቶም ወግዓዊ ደሞዝ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ውን እንተኾነ መሰላት ማሕበራዊ ድሕነት የብሎምን።

መሰል ሰራሕተኛታት ኣብ ዘይክበረላ ኤርትራ፣ እቲ ብደረጃ ዓለም ንሰራሕተኛታት ኣገደሲ መባእታዊ ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ዝኾነ መልዕሎ ወይ ጥሮታ ከምዘየለ ይፍለጥ።

ኣብ እዋን መግዛእቲውን ዝነበረ፣ ሓደ ካብ ኣውራ መሰላት ሰራሕተኛታት ምዃኑ ዝፍለጥ ጥሮታን ካልእ ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ረብሓታታን፣ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ከም ኣርእስቲውን ዝልዓል ኣይኮነን።

ዕድመ ዝደፍኡ ወይ ድማ ብሕማምን ካልእ ምኽንያታትን ስራሕ ከቛርጹ ዝግደዱ ዜጋታት፣ ዋላውን ነዊሕ ዓመታት ዝሰርሑ እንተኾይኖም ብዘይዝኾነ ጥሮታን ካልእ ረብሓታት ማሕበራዊ ድሕነትን ስለዝፋነዉ፣ ኣብ ከቢድ ጸገም ክወድቑ ምርኣይ ንቡርዩ።

እቲ ነዚ መሰላት እዚ ክጣበቕ ዝግብኦ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ወይ ሃኮሰአ ድማ፣ ከም ጥብቖ ትካል ህግደፍ፣ ንመጋበርያ ፖለቲካ እንተዘይኮኑ ንሰራሕተኛታት ዘርብሕ ዕዮ ከምዘይብሉዩ ዝንቀፍ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0