ባሕቲ ግንቦት፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፣ ብደረጃ ዓለም ተዘኪራ

RADIO ERENA – Thursday, 02 May 2024

ባሕቲ ግንቦት፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፣ ብደረጃ ዓለም ተዘኪራ።

ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት፣ ተኸሲቱ ብዘሎ ቁጠባዊ ብድሆታት፣ ፈረንሳ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት፣ ሰራሕተኛታት መሰሎም ክሕሎ ዝጽውዕ ኣድማን ናዕብን ብምክያድ ዮም ነዛ ዕለት ዘኪሮማ።

ብኣንጻር እዚ፣ መሰል ሰራሕተኛ ፈጺሙ ኣብ ዘይክበረላ ኤርትራ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፣ ኣኼባታትን ስማዊ ሰልፊን ብምትእንጋድ፣ ከምእትዝከር ይፍለጥ ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ንኣህጉራዊ ሕግታት ዕዮን መሰል ሰራሕተኛታትን ዝጥሕስ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ፣ ከምዘሎዩ ዝግለጽ።

ዝበዝሐ ዓያዩ ሓይሊ ሰብ፣ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ዝተጸምደ ክኸውን እንከሎ፣ እቶም ወግዓዊ ደሞዝ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ውን እንተኾነ መሰላት ማሕበራዊ ድሕነት የብሎምን።

መሰል ሰራሕተኛታት ኣብ ዘይክበረላ ኤርትራ፣ እቲ ብደረጃ ዓለም ንሰራሕተኛታት ኣገደሲ መባእታዊ ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ዝኾነ መልዕሎ ወይ ጥሮታ ከምዘየለ ይፍለጥ።

ኣብ እዋን መግዛእቲውን ዝነበረ፣ ሓደ ካብ ኣውራ መሰላት ሰራሕተኛታት ምዃኑ ዝፍለጥ ጥሮታን ካልእ ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ረብሓታታን፣ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ከም ኣርእስቲውን ዝልዓል ኣይኮነን።

ዕድመ ዝደፍኡ ወይ ድማ ብሕማምን ካልእ ምኽንያታትን ስራሕ ከቛርጹ ዝግደዱ ዜጋታት፣ ዋላውን ነዊሕ ዓመታት ዝሰርሑ እንተኾይኖም ብዘይዝኾነ ጥሮታን ካልእ ረብሓታት ማሕበራዊ ድሕነትን ስለዝፋነዉ፣ ኣብ ከቢድ ጸገም ክወድቑ ምርኣይ ንቡርዩ።

እቲ ነዚ መሰላት እዚ ክጣበቕ ዝግብኦ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ወይ ሃኮሰአ ድማ፣ ከም ጥብቖ ትካል ህግደፍ፣ ንመጋበርያ ፖለቲካ እንተዘይኮኑ ንሰራሕተኛታት ዘርብሕ ዕዮ ከምዘይብሉዩ ዝንቐፍ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0