ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ናብ ወጻኢ ዝልኣኾም ስነ-ጠበባውያን ዑቕባ ይሓቱ

ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ናብ ወጻኢ ዝልኣኾም ስነ-ጠበባውያን ዑቕባ ይሓቱ

Radio Erena: 15 January 2016

Aklilu

ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣብ ኣውስትራልያ፣ ከተማ ሜልቦርን ኣብ ዝወደቦ ፈስቲቫል ጓይላ ከጻውቱ ዝልኣኾም ክልተ ስነ ጥበባውያን ዑቕባ ንምሕታት ተሪፎም።

እቶም ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ንምሕታት ተሪፎም ዘለዉ ስነ-ጠበባውያን፣ ድምጻዊ ኣኽሊሉ መብራህቶምን ሙዚቀኛ ዮሴፍ ኣሚነን ዝተባህሉ’ዮም።

ኣብ ኤውሮጳ’ውን ዝተረፉ ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።

ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቐዲሙ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኤውሮጳን ክልእኮም ዝጸንሐ ድምጻውያንን ሙዚቐኛታትን’ውን በብዝኸድዎ ክተርፉ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ኣጋጢምዎ ንዘሎ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ክሳራታት ንምሕዋይ፣ ብስም ፈስቲቫላትን ህዝባዊ ሰሚናራትን በብእዋኑ ንዘካይዶ ዘሎ ብጓይላን ሳዕስዒትን ዝተሰነየ ዝተፈላለየ መደባት፣ ቀጻሊ ህድማ ድምጻውያንን ሙዚቐኛታት የጋጥሞ ብምህላዉ ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢርሉ ይርከብ።

ብዘይካ’ዚ’ውን በብእዋኑ ካብ ኤርትራ እናሃደሙ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን እናሰገሩ ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ዘለዉ ብዝሒ ስነጠበባውያን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዛይድ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ዘዝተላእኩ ስነ ጥበባውያን ኣብ ዘዝኸድዎ ሃገራት ዝተርፉ ዘለዉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር እቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝርከቡ ደገፍቱ ጽዑቕ ዘመተ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።
=======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0