ቢንያም ግርማይ ዳግማይ ናይ መድረኽ ዓወት ጨቢጡ

RADIO ERENA – Saturday, 06 July 2024

ኣብ መበል 111 ቱር ዲ ፍራንስ ዕለታዊ ታሪኽ ኣብ ምስራሕ ዝርከብ፡ ኣባል በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ትማሊ ቀዳም 6 ሓምለ ቀጺሉ ኣብ ዝወዓለ ሻሙናይ መድረኽ’ውን፡ ዳግማይ ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ንኻልኣይ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ጨቢጡ።

ኣብ’ዚ ካብ Semur-en-Auxois ናብ Colombey-les-Deux-Eglises፡ 183.4 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ምዕራፍ፡ ቀጠልያ ማልያ “ብሉጽ ሸዃዃይ” ለቢሱ ዝርከብ ቢንያም ግርማይ፡ ንኹሎም መተሃላልኽቱ ብቅድድም ሽኳ ኣላሽ ብምባል እዩ ቀዲሙ መዛዘሚ ሕንጻጽ ረጊጹ።

እዚ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ቦኽሪ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ዕዉት መድረኽ ዙር ፈረንሳ ዝኾነ ወዲ 24 ዓመት ተቐዳዳማይ፡ በዚ ናይ ሎሚ ዓወቱ ተደጊፉ ድማ፡ ንነጥቡ ካብ 149 ናብ 216 ብምዕራግ፡ ንመሪሕነቱ ደሪዑ።

ከም ውጽኢት ናይ’ዚ፡ ምስ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ዝርከብ ቀንዲ መተሃላልኽቱን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ወናኒ ቀጠልያ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስን፡ በልጅዩማዊ ያስፐር ፊሊፕሰን ንዝነበሮ ናይ ነጥቢ ፍልልይ ካብ 64 ናብ 88 ኣበሪኽዎ።

መበል ታሽዓይ ምዕራፍ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ሎሚ ሰንበት ብናይ 199 ኪሎ ሜትር ጉዕዞ ክቕጽል እዩ።
==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0