RADIO ERENA – Monday, 22 July 2024
ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ቦኽሪ ኣፍሪቃዊ ዕዉት ቀጠልያ ማልያ “ብሉጽ ሸዃዃይ” ግራንድ ቱር ዲ ፍራንስ ብምዃን፡ ብሰንበት 21ሓምለ 2024 ኣብ መዝገብ ክብሪ ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ብወግዒ ሰፊሩ።
387 ነጥቢ ብምኽዕባት፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ቀረባ መተሃላልኽቱ በልጅዩማዊ ጃስፐር ፊሊፕሰን፡ ብ33 ጸለል ኢሉ ረዚን ታሪኽ ዝሰርሐ ቢንያም፡ እዛ ቀጠልያ ማልያ፡ ብነጥቢ ዋኒኑ ምዃና ኣቐዲሙ ኣብ ዝነበረ መድረኻት ዘረጋገጸ ክኸውን ከሎ፡ ብሰንበት ካብ ከተማ ኒስ ናብ ከተማ ኒስ 33.7 ኪሎ ሜትር ብዝርሕቐቱ ቅድድም ክሮኖ ሜትር ንዝተዛዘመ መበል 111 ቱር ዲ ፍራንስ፡ብብቕዓትን ብሰላምን ብድሕሪ ምዕማሙ ድማ፡ ንዓወቱ ወግዓውነት ኣልቢስዎ።
ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን፡ ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ናብ ከተማ ኒስ ብምውሓዝ፡ ነዚ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራን ኣፍሪቃን ብዕቤቱ ርዝነቱን ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ዝስራዕ ናይ ቢኒ ዓወት፡ ብሓባር ምስኡ ኮይኖም ኣብ ምጽንባልን ምድማቕን ይርከቡ።
ቢንያም ኣብ‘ዚ ናይ ሎሚ ዘመን ውራይ ቱር ዲ ፍራንስ፡ እቲ እንኮ ኣብ ታሪኽ ዙር ፈረንሳ ሃትሪክ ዓወታት ዝሓፈሰ፡ ከምኡ‘ውን ኣብ 4 መድረኻት ቅድድማት ግራንድ ቱር ዝነገሰ ኣፍሪቃዊ ብምዃን ድርብ ክብረ ወሰናት ከም ዝበሓተ ይዝከር።
============
COMMENTS