ቢንያም ግርማይ ቀጠልያ ማልያ “ብሉጽ ሸዃዃይ” ቱር ዲ ፍራንስ ዝለበሰ ቦኽሪ ኣፍሪቃዊ ኮይኑ

RADIO ERENA – Wednesday, 03 July 2024

ብሪጣንያዊ ተቐዳዳማይ ካዛኪስታናዊት ዎርልድ ቱር ቲም ኣስታና፡ ማርክ ካቨንዲሽ፡ ሎሚ ሮቡዕ 3 ሓምለ 2024፡ ንመበል 35 ግዜ ኣብ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ብምዕዋት ክብረ ወሰን ኣብ ዝሰበረሉ፡ ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ቀጠልያ ማልያ “ብሉጽ ሸዃዃይ”፡ ካብ ኖርወጃዊ ዮናስ ኣብርሃምሰን መንዚዑ ለቢስዋ።

ቦኽሪ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ዕዉት መድረኽ ዙር ፈረንሳ ቢንያም፡ ነዛ ቀጠልያ ናይ ክብሪ ማልያ ቦኽሪ ኣፍሪቃዊ ኮይኑ ክለብሳ ዝኸኣለ፡ ኣብ’ዚ ሎሚ ካብ saint-jean-de-maurienne ናብ Saint Vulba ዝበጽሐ፡ 177 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ሓሙሻይ ምዕራፍ ዙር ፈረንሳ፡ ኣብ መንጐ ኣብ ዝነበረ ቅድድም ሽኳ፡ ሓሙሻይ ኣብ መዛዘሚ ድማ፡ ታሽዓይ ተርታ ተሰሪዑ፡ ብድምር 19 ነጥቢ ብድሕሪ ምርካቡ እዩ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ’ውን ጻዕዳ ማልያ “ብሉጽ ውልዶ መንእሰይ” ክለብስ በቒዑ ዝነበረ ቢንያም፡ ኣብ ቀጠልያ ማልያ ኣዋህሊልዎ ዝኣተወ ነጥቢ ካብ 83 ናብ 102 ዘበረኾ ክኸውን ከሎ፡ ዴንማርካዊ ማድስ ፔደርሰን ብ94 ነጥቢ፡ ዮናስ ኣብርሃምሰን ብ87 ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ይስዕብዎ።

ዙር ፈረንሳ፡ ሓሙስ፡ 163.5 ኪሎ ሜትር ብዝዓምም ጉዕዞ ካብ Mâcon ናብ Dijon ክቕጽል እዩ።
==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0