ቢንያም ግርማይ ሃትሪክ ዓወታት መድረኽ ተጓናጺፉ

RADIO ERENA – Friday, 12 July 2024

ኣብ ውድድር ግራንድ ቱር ዲ ፍራንስ 2024ብተደጋጋሚ ታሪኽ ኣብ ምስራሕ ዝርከብ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ቢንያም ግርማይ፡ ትማሊ ሓሙስ 11 ሓምለ ኣብ ዝተሰላሰለ መበል 12 መድረኽ ዙር ፈረንሳ፡ ከም ልማዱ ንመወዳድርቱ ረቲዑ ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ሃትሪክ ሰሪሑ።

ኣብ’ዚ ብ29 ሰነ ዝፈለመ ናይ ሎሚ ዘመን ቱር ዲ ፍራንስ፡ ቅድሚ መጻርርቱ መዛዘሚ ሕንጻጽ ብምስጋር ንሳልሳይ እዋን ትርኑዕ ዓወት ዝተጓናጸፈ ቢንያም፡ በዚ ሎሚ ዘኻዕበቶ ውጽኢት፡ እቲ እንኮ ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ ሃትሪክ ዓወታት ዝዓጸደ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ብምዃን ተደራቢ ረዚን ታሪኽ ሰኒዱ።

ብጀካ’ዚ ቢኒ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢጣልያ’ውን ረቲዑ ብምንባሩ፡ ብሓፈሻ ኣብ 4 መድረኻት ቅድድማት ግራንድ ቱር ዝነገሰ፡ ሓደ ከም ሓሙስ ኣፍሪቃዊ ኣትሌት ብምዃን ካልእ ተወሳኺ ክብረ ወሰን ብሒቱ።

ቀጠልያ ማልያ “ብሉጽ ሸዃዃይ ካብ ዝለብስ” ሓደ ሰሙን ኣቑጺሩ ዝርከብ ቢንያም፡ ኣብ’ዚ ናይ ትማሊ ካብ Aurillac ናብ Villeneuve-sur-Lot፡ 203.6 ኪሎ ሜትር ዝተጓዓዘ ምዕራፍ፡ ብሓፈሻ 61 ነጥቢ ደሊቡ፡ ንድምር ውጽኢቱ ናብ 328 ጸብለል ብምባል፡ ኣብ ቀጠልያ ማልያ ንዘለዎ መሪሕነት ኣተርኒዑ።

ኣብ’ዚ ዙር ቀንዲ ተጻይ ቢንያም ኮይኑ ዝርከብ በልጅዩማዊ ተቐዳዳማይ ዎርልድ ቱር ቲም Alpecin – Deceuninck፡ ያስፐር ፊሊፕሰን፡ ኣብ’ዚ ዕለት ኣብ ክልተ ቅድድም ሽኳ ብቢንያም ስዩም ክብል ተገዲዱ ብተወሳኺ 37 ነጥብታት ዘልሓጥ ብምባሉ፡ ብሓፈሻ ናይ 107 ነጥብታት ጋግ ተነጺፍዎ።

ቢንያም ነዲቕዎ ዘሎ ርሒብ ፍልልይ ነጥቢ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ብተወሳኺ’ውን፡ ብሕጂ ተሪፉ ካብ ዘሎ 9 መድረኻት፡ እቲ ንክኢላታት ሽኳ ዝምእምእ ምዕራፋት ብምዃኑን፡ ቀጠልያ ማልያ ካብ ዝባን ቢኒ ክትወርደሉ ዘሎ ተኽእሎ ምሒር ጸቢብ እዩ።

ዙር ፈረንሳ፡ ሎሚ ዓርቢ 12 ሓምለ ካብ Agen ናብ Pau፡ 165.3 ኪሎ ሜትር ክዓምም እዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0