ቢንያም ግርማይ፣ ንዙር ፈረንሳ ድሉው ከምዘሎ ኣረጋጊጹ

RADIO ERENA – Tuesday, 04 June 2024

ኣብ ዓበይቲ ኣህጉራዊ ቅድድማት ዓወታት ዝሓፈስ ዘሎ፣ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty፡ ቢንያም ግርማይ፡ ንቱር ዲ ፍራንስ ድሉው ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ንሱ ብሰንበት 02 ሰነ 2024 ኣብ በልጅዩም ኣብ ዝተኻየደ 218.4 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ መበል 104 ውድድር ክላሲክ ብራስለስ፡ ሃዲሙ ቀዳማይ ንዝወጸ ኖርወጃዊ ዮናስ ኣብራሃምሰን ብምኽታል፡ ንጥርንፍቲ ዓባይ ጉጅለ ስዒሩ፡ ካልእይ ኮይኑ መዛዘሚ መስመር ድሕሪ ምርጋጹ ኣብ ዝሃቦ ቃልዩ ነዚ ኣፍሊጡ።

ቢንያም ግርማይ፣ ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እዚ ቅድሚ እቲ ኣብ መፈጸምታ ናይ`ዚ ወርሒዚ ዝጅመር፡ ውድድር ግራንድ ቱር ዲ ፍራንስ ዘካየድክዎ ናይ መወዳእታ ቅድድመይ እዩ ኔሩ። ነዚ ሒዘዮ ዘለኹ ጽቡቕ ኣቓውማይ ንምዕቃቡን ክብ ንምባሉን ክሰርሕ እየ። ነዚ ንምግባር ከኣ፡ ንኽልተ ሰሙን ናብ ኤርትራ ከይደ ምስ ስድራይ ግዜ ከሐልፍን፡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣየር ክለማመድን እኽእል እየ። ኢሉ ኢሉ።

ቱር ዲ ፍራንስ፡ ካብ 29 ሰነ ክሳብ 21 ሓምለ እዩ ክሳለጥ።

ቢንያም ቅድሚ ዙር ፈረንሳ፡ ካብ 14 ክሳብ 16 ሰነ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝካየድ፡ ዓመታዊ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ክወዳደር ትጽቢት ይግበረሉ።

ናብ ንቡር ቁመንኡ ተመሊሱ ዝርከብ ወዲ 24 ዓመት ቢንያም፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኣብ ዘካየዶ 32መዓልታት ውድድር፡ 5399 ኪሎ ሜትር ተጓዒዙን፡ 1034 ነጥብታት UCI ኣዋህሊሉን ኣሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ስፖርት ዜና፣ ካብ ዓርቢ 31 ግንቦት ጀሚሩ ኣብ ዝቓናዕ ዘሎ መበል 33 ውድድር ብሽክለታ ዙር ሞሮኮ፣ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ናትናኤል ብርሃነ፣ ጴጥሮስ መንግስ፣ ካብ ኣኽሊሉ ገብረሂወትን ኤቨን የማነን ይወዳደሩ ኣለዉ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0