ቢንያም ግርማይ፣ ቀዳም ኣብ ዝጅምር ዙር ፈረንሳ ክወዳደር ምዃኑ ጋንትኡ Intermarché – Wanty ኣረጋጊጻ

RADIO ERENA – Tuesday, 25 June 2024

ኣብ 2015 ብመንገዲ ኦሎምፒካውያን ተቐዳደምቲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን፡ ኣብ 2016ብዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ናትናኤል ብርሃነን፡ ኣብ 2019 ብናትናኤል ብርሃነ፡ ኣብ 2023 ብቢንያም ግርማይ ኣብዚ ዝረዘነ ቅድድም ብሽክለታ ናይ ፕላኔትና ቱር ዲ ፍራንስ ዝተጸወዐት ኤርትራ፡ ሎሚ ዘመንውን ደጊማ ብመንገዲ ጠቓርዝብል ቕጽል ስም ዝፍለጥ ክኢላ ቅድድም ሽኳ ቢንያም ግርማይ፡ ክትውከል እያ።

ክለብ Intermarché – Wanty ኣብዚ ዙር ሒዛቶም ናይ እትቐርብ ኣፈናዊ ዝርዝር ኣስማት12 ተቐዳደምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕላዊ ዝገበረት ክትከውን ከላ፡ ካብዚኦም መራሒ ናይዛ ጋንታ ኮይኑ ዝስለፍ ቢንያም ግርማይ ቦትኡ ምስቶም ናብዚ ቱር ዝኣትዉ 8 ኣባላት እታ ጋንታ ካብ ዘውሕስ ነዊሕ እዋናት ኣብ ርእሲ ምቑጻሩ፡ ኣብ ኤርትራ ብምኻድ ኣብ ምድላውን ናይ ብራኸ ረብሓ ኣብ ምድላብን ተጸሚዱ ቐንዩ።

ኣብዚ ንሻብዓይ እዋን እትካፈል ዘላ ክለብ Intermarché – Wanty፡ ኣነጻጺራትሉ ዘላ ሸቶ፡ ብመንገዲ ወሓለታት ቅድድም ሽኳ ቢንያም ግርማይን በልጅዩማዊ ገርበን ቲይሰንን፡ ቦኽሪ ዓወት መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ምጉንጻፍ፡ ብመንገዲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊዝ ሜንትየዝ ከኣ፡ ኣብ ውድድር ብጫ ማልያ ክሳብ ዓስራይ ዘሎ ደረጃ ምሓዝ እዩ።

ነዚ ሸቶ ክውን ኣብ ምግባር፡ ከም ኔዘርላንዳዊ ማይክ ቶይኒሰን፡ ፈረንሳዊ ሁጐ ፔጅን በልጅዩማዊ ሎረንስ ሬክስ ዝኣመሰሉ ሓያላት ተቐዳደምቲ ኣብ ጐኒ በዓል ቢንያም ኮይኖም ዕዙዝ ደገፎም ከበርክቱ እዮም።

ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ቅድድም ብሽክለታ IDL Procycling ዝሃበቶ ገምጋም፡ ቢንያም ግርማይ ሓደ ካብቶም ንቀጠልያ ማልያ ብሉጽ ሸዃዃይ ክዕወቱሉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ዝለዓለ ግምት ተዋሂብዎም ዘሎ ተቐዳደምቲ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘውዲ ሻምፕዮን ውድድር ጽርግያ ኤርትራ ዝደፍአ ኣባል ኣሜሪካዊት ዎርልድ ቱር ቲም Lidl-Trek ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ጠመትኡ ኣብ ግራንድ ቱር ቮልታ ስጳኛ ጌሩ ብምህላዉ ኣብዚ ቱር ከም ዘይካፈል ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ዝደመቐ ሻምፕዮን ውድድር ክሮኖሜትር ኤርትራ ኦሎምፒካዊ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን፡ ተቐዳዳማይ ካዛኪስታናዊት ዎርልድ ቱር ቲም ሄኖክ ሙሉብርሃንን ድማ፡ ብዛዕባ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ዲ ፍራንስ ምስታፎምን ዘይምስታፎምን ክሳብ ሕጂ ብእኦም ይኹን ብክለባቶም ዝተሓበረ ነገር የለን።

ኣብዚ ካብ ቀዳም 29 ሰነ ጀሚሩ ክሳብ 21 ሓምለ ዝቕጽል መበል 111 ዙር ፈረንሳ፣ 176 ተቐዳደምቲ ኣገዲሙ፣ ኣብ 21 መድረኻት፡ 3,498 ኪሎ ሜትር ክሽፍን እዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0