ቢንያም ግርማይ፡ ቦኽሪ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ዕዉት መድረኽ ውድድር ግራንድ ቱር ዙር ፈረንሳ ብምዃን ደርማስ ታሪኽ ሰሪሑ

RADIO ERENA – Monday, 01 July 2024

ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ቦኽሪ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ዕዉት መድረኽ ውድድር ግራንድ ቱር ዙር ፈረንሳ ብምዃን ደርማስ ታሪኽ ሰሪሑ።

ቢንያም ነዚ ታሪኽ ዝሰርሐ፡ ሎሚ ሰኑይ ባሕቲ ሓምለ፡ ካብ ከተማ ፒያቸንሳ ናብ ከተማ ቶሪኖ 230.8 ኪሎ ሜትር ኣብ ዝሸፈነ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ፈረንሳ እዩ።

ወዲ 24 ዓመት ወሓለ ቅድድም ሽኳ ቢንያም፡ በዚ ሎሚ ዘመዝገቦ ረዚን ዓወት ተሓጊዙ፡ ኣብ ውድድር ቐጠልያ ማልያ ብሉጽ ሸዃዃይ፡ ብ76 ነጥቢ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ካብ ዘሎ ኖርወጃዊ ዮናስ ኣብራሃምሰን ብ10 ነጥብታት ድሒሩ፡ 29 ደረጃታት ብምምሕያሽ፡ ካልኣይ ተርታ ክስራዕ ክኢሉ ኣሎ።

ቅድሚ ክልተ ዓመትውን ኣብ ውድድር ግራንድ ቱር ጂሮ ዲ ኢጣልያ፡ ቀዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ዕዉት መድረኽ ክኸውን ዝበቕዐ ቢንያም፡ ድሕሪ`ዚ ሎሚ 210 ነጥብታት UCI ዘኻዕበተሉ መድረኽ፡ ብሓጐስ ክስዕሮ ንዝደለየ ንብዓት እናተቓለሰ ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ ሓይሊ ንዝሃቦ እግዚኣብሄር፡ ከምኡ`ውን ንስድርኡ፡ በዓልቲ ቤቱን ደገፍቱን ብድሕሪ ምምስጋኑ፡ ኣብ ካልኣይ ዓመት ተሳትፎይ ናይ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ንብሉጻት ክኢላታት ሽኳ ስዒረ ብምዕዋተይ ክእመን ዘይከኣል እዩ።

ኣካል ዓበይቲ ውድድራት ዓለም ብምዃናን፡ ብርክት ዝበለ ዓወታት ክንሓፍስ ብምብቓዕናን ኩልና ኤርትራውያንን ኣፍሪቃውያንን ክንኮርዕ ይግብኣና። እዚ እዋን ግዜናን ዘመንናን እዩ።ኢሉ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0