Radio Erena: 28 August 2019
በዓልቲ ቤቱ ንሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ከምዝተፈትሐት ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።
ወ/ሮ ኣልማዝ ሃብተማርያም፣ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018’ያ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ብሃንደበት ብኣባላት ጸጥታ ተወሲዳ፣ ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሓ።
ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ምኽንያት መእሰሪኣ ከይተሓበራ፣ ብሃንደበት ተፈቲሓ።
ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዘለዎ ናይ ፍልልይ ኣረኣእያ፣ ካብ 2012 ኣትሒዙ ደስኪሉ ዝጸንሐ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፣፣ ንዝሓለፈን ህሉውን ኩነታት ምልኪ ስርዓት ኢሳይያስ እተቃልዕ፣ “ሃገረይ ኤርትራ” ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ መስከረም 2019ድሕሪ ምዝርግሑ፣ ኣሰር በዓልቲ ቤቱ ብምስዓብ ከምዝተኣስረ ይፍለጥ።
እንተኾነ፣ በዓልቲ ቤቱ፣ ወ/ሮ ዝሓለፈ ሰሙን ኣልማዝ ሃብተማርያም፣ ድሕሪ ናይ ዓመትን መንፈቕን ማእሰርቲ ክትፍታሕ እንከላ፣ ሚኒስተር ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ግና፣ ሃለዋቱ ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ተኣሲሩ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት የረድኡ።
======================