ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ስልማት ናይ ሰላም ኖቤል ተዓዊቱ

Radio Erena: 11 October 2019

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ስልማት ናይ ሰላም ኖቤል 2019 ተዓዊቱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣብ ሚያዝያ 2018 ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጸሉ እዋን፣ ምስ ኤርትራ ናይ ሰላም ኣፍደገ ብምኽፋቱ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብምፍትሑ፣ ኣብ ሱዳን መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ዝተኻየደ ጻዕሪ ካልእን ኣበርክቶታት ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ስልማት ከምዝተዓወተሉ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ምስ ኤርትራ ናይ ሰላም ኣፍደገ ምኽፋቱ ብእወታ ዝረአ እኳ እንተኾነ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ካብታ መበገሲት ኵናት ዝኾነትን ካብ ክልቲኡ ወገን ልዕሊ 120 ሽሕ ሰባት ንምህላቅ ጠንቂ’ያ እትብሃልን ባድመ ዛጊት ኣይወጸን።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ንናይ ሰላም ኖቤል ካብ ዝተረቑሑ ልዕሊ 300 ጸለውቲ ሰባት፣ ንድሕነት ኣከባቢ እትጣበቕ፣ ጓል 16 ዓመት ሽወደናዊት መንእሰይ ግሬታ ቱንበርግ፣ ስደተኛታት ርሑው ኣፍደገ ክኽፈተሎም ዝጽውዑ ጳጳስ ፍራንሲስን፣ ኣብ መሳጊድ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ጽኑዕ ምቁጽጻር ጠበናጁ ክግበር ትእዛዝ ዘመሓላለፈት ቀዳመይቲ ሚኒስርተር ኒውዝላንድ፣ ጃሲንዳ ኣርደርን ይርከብዎም።

ሎሚ ዓርቢ 11 ጥቅምቲ ኣብ ዝተነግረ ስም ዕውታት ድማ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተዓዋቲ ናይ ሰላም ኖቤል 2019 ኮይኑ።

10 ታሕሳስ ኣብ ኖርወይ፣ ከተማ ኦሶሎ ኣብ ዝካየድ ጽምብል ድማ ብወግዒ ስልማቱ ክቕበል’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar

    Dr Abey NAI nobel teshelami.Nai East AFRICA .
    AUNG SAN SUU KYI.
    kitblo ykaal eiu.

  • comment-avatar
    Ghrmay 5 years ago

    Congratulations Abiy Ahmed! you deserve the prize for the job you’ve done, I’m proud of it.
     although still tensions and unresolved issues that give rise to uncertainty about future developments but my hope is that the Peace Prize will serve as an important support for credible peace with Eritrea and
    true democracy in Ethiopia,
    ghrmay