ቀጠር፣ ንኤርትራ ዘለቅሓታ ኣስታት ርብዒ ቢልዮን ዶላር ክምለሰላ ተወሳኺ ክሲ ኣቕሪባ

Radio Erena: Friday, 02 April 2021

ንግስነት ቀጠር፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘለቕሖ፣ ኣስታት 250 ሚልዮን ዶላር ክምለሰሉ፣ ናብ ኣብያተ ፍርዲ ኤውሮጳን ኣመሪካን ተወሳኺ ክሲ ከምዘቕረበ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ንራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ልቓሕ፣ ካብ 2002 ክሳብ 2013 ኣብ ዝነበረ ዓመታት በብእዋኑ ዝተዋህለለ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ሃገራዊ ባንክ ቀጠር ንምምላሱ ካብ 2018 ኣትሒዙ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝፈተኖ ርክባት ክዕወት ብዘይምኽኣሉ’ዩ፣ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ፍርዲ ክስታት ዝምስርት ዘሎ።

መብዛሕቱ እቲ ንግስነት ቀጠር ንመንግስቲ ኤርትራ ዝሃቦ ልቃሕ ብወገን ኤርትራ ምስጢራዊ’ዩ ኔሩ እቶም ምንጭታት፣ ንግስነት ቀጠር ግና ሰነዳት ናይቲ ስምምዓት ከምዘቕረበ ጠቒሶም።

ሃገራዊ ባንክ ቀጠር፣ ፈለማ ኣብ ብሪጣንያ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ፣ ድሕሩ ናብ ኣመሪካ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኔዘርላንድስ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክስታት ኣእትዩ ኣሎ።

እዚ ኣብያተ ፍርዲ፣ ብይን ናይ ምሃብ ስልጣን እኳ እንተለዉ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ዕድኡ ክኸፍል ከገድድ ግና ኣይክእልን’ዩ።

ኣስታት ፍርቂ ናይቲ ልቓሕ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብሕቡእ ክሃንጾ ንዝጀመረ፣ ንኣገደስትን ፍሉያትን ሰባት ዝተሓዝአ፣ ኣብ ደሴታት ዳህላክ ዝርከብ መዘናግዒ ማእከል ወይ ሪዞርት ዝወዓለ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣቃሊዑ።

እቲ ዛጊት ምሉእ ብምሉእ ከምዘይተዛዘመ ዝንገረሉ፣ ብውሕዱ ኣብ ኣርባዕተ ደሴታት ዳህላክ ዝተደኮነ፣ ዘመናዊ ሆቴል፣ ኣብያተ መግብን መስተን ዝርከቦ መዘናግዒ ማእከል፣ ብሓደ ናይ ሊባኖስ  ኩባንያ’ዩ ክህነጽ ጀሚሩ ኔሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ህግደፍ ኩባንያታት ህንጻ፣ ይቕጽልኦ ከምዘለዋ ይፍለጥ። 

ኣብ 2017፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ድሕሪ ዝተፈጥረ ምክፍፋል፣ ኤርትራ ጸግዒ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብምዃን፣ ምስ ቀጠር ዝነበራ ጥቡቕ ዝምድና ከምዘዛሕተለት ይዝከር።

=============== 

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Angeb 3 years ago

    አቲ ስራሕ ብ ልባኖሳውያን ተጀምሩ ግና ናይ ህንጻ አንጅነራት ዓቅሚ ስለ ዘይነበሮም ፈሪሱ ከም ሓድሽ ብ አታልያዊ ኤንጅነር ኣብ ዳህላክ ከቢር ተሰርሑ
    ኣረጋጊስኹም ተዛረቡ