ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ሃንደበታዊ ምቅይያር ሚኒስተራት ኣካዪዱ

RADIO ERENA – Wednesday, 22 May 2024

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ሃንደበታዊ ምቅይያር ሚኒስተራት ኣካዪዱ።
ቤት ጽሕፈት’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ’ዚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሚኒስተር መስኖን ደረቕ ከባቢታትን ዓዪሻ መሓመድ ሚኒስተር ምክልኻል ኮይና ከተገልግል መዚዙዋ።
ሚኒስተር ዓዪሻ መሓመድ ኣቐድም ኣቢላ ሚኒስተር ምክልኻል ኮይና ከተገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ምስ ሓይልታት ትግራይ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ፣ ብሚኒስተር ኣብርሃም በላይ ተተኪኣ ጸንሓ።

ብመሰረት’ቲ መግለጺ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኣብርሃም በላይ ከኣ ሚኒስተር መስኖን ደረቕ ከባቢታትን ክኸውን’ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ነዚ ሃንደበታዊ ውሳኔ ዝወሰደሉ ወግዓዊ ምኽንያት ኣይሃበሉን። ሚኒስተር ኣብርሃም በላይ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ንስምምዕ ፕሪቶርያ ምስ ዞባታት ወልቃይትን ራያን ብምትእስሳር ክህቦ ዝጸንሐ ዝተፈልየ ርእይቶታት፣ ካብ ናይ ምክልኻል ሚኒስተርነት ከምዝእለይ ገይሩዎ ዝብል ርእይቶ፣ ኣብታ ሃገር ብሰፊሑ ይውረ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ንመሓመድ ኢድሪስ፣ ከም ሚኒስተር ማእከል ምህናጽ ደሞክራስያዊ ስርዓት  ኮይኑ ከገልግል እውን መዚዙ።
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0