ቀይሕ ባሕሪ፣ ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ዖማን ተምርሕ ዝነበረት መርከብ ብተወንጫፊ ተሃሪማ

RADIO ERENA – Thursday, 10 October 2024

ኣብ ቀይሕ ባህሪ፣ ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ዖማን ተምርሕ ዝነበረት ናይ ጽዕነት መርከብ፣ ብ10 ጥቅምቲ፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ፣ ብተወንጫፊ ከምዝተሃርመት ተሓቢሩ።

እታ መርከብ፣ ካብ ወደብ ጀዳ ናብ ወደብ ሞስካት ተምርሕ ምንባራዩ ሓቢሩ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ፣ ኣምብረይ ዝተባህለ ትካል መጽናዕቲ ድሕነት መጓዓዝያ ባሕሪ።

እታ ናይ ላይበርያ ባንዴራ እተንበልብል ዝነበረት ዋንነታ ግና ዛጊት ዘይተሓበረ መርከብ፣ ካብ ወደብ ሖደይዳ ናይ የመን፣ ኣስታት 135 ኪሎሜተር ንደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ዝርከብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ምስ በጽሐትዩ ተወንጫፊ ዓሊቡዋ።

ኣብ ገለ ክፋላ ዕንወት እኳ እንተወረዳን ክልተ ተወሳኺ ተወንጫፊ ድማ ኣብ ከባቢኣ እንተዓለበን፣ እታ መርከብ ጉዕዝኣ ክትቕጽል ከምዝኸኣለት ዩ ተገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ናይ ኣምብረይ ሓበሬታ፣ ኣብ ሰራሕተኛታታ ዝወረደ ጉድኣት የለን።

ሑቲ ናይ የመን ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺምዎ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ሑቲ፣ እስራኤል ኣብ ቓዛ ወትሃደራዊ ስርሒት ካብ ዝጀመረትሉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ፣ ከም ግብረ መልሲ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ዒላማ ምግባር ካብ ዝጅምር፣ ዛጊት ኣስታት 100 ዝኾና ኣጥቂዑ ኣሎ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0