ሽወደን፣ ወዲ 25 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ብጥይት ተቐቲሉ

Radio Erena: Thursday, 14 September 2023

ኣብ ሽወደን፣ ከተማ ኡፕሳላ፣ መጎስ ኣማኑኤል ዝተባህለ ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰያ፣ ኣብ ኣፍደገ መንበሪ ገዝኡ ብዝተተኮሰሉ ጠያይቲ ከምዝተቐትለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ኤርትራዊ መንእሰያ፣ ናብ ስራሕ ንምኻድ፣ ካብ ናይ ኣፓርትማ ገዝኡ ብኣስካላ እናወረደ’ ኣድብዮም ዝጸንሑ ዕጡቓት፣ ኣብ ርእሱን ከባቢ ኣፍልቡን ብዝተኮስሉ ጠያይቲ ህይወቱ ከምዝሓለፈ፣ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ብ12 መስከረም ገሊጻ።

ጠንቒ እቲ ቅትለት ገና ይጻረ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሓሺሽን ዕጸ -ፋርስን ዝነጥፍ ጉጅለ ገበነኛታት ብጌጋ ዝፈጸሞ ክኸውን ከምዝኽእል ‘ዩ ተኣሚቱ።

ኣብቲ ህንጻ፣ ናይ ቀረባ ዘመድ ናይ ሓደ ካብ ዕሉላት ጉጅለ ገብነኛታት ስለዝቕመጥ፣ እቶም ዕጡቓት፣ ንሱ መሲልዎም፣ ነቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ብጌጋ ቀቲሎሞ ዝብል መደምደምታ ምህላዉ’ዩ ጸብጻብ ኤክስፕረስን ዘመልክት።

መጎስ፣ ኣብ ስርሑ ትጉህን ምስ ዝኾነ ናይ ገበን ጉዳያት ምትእስሳር ዘይጸንሖን፣ መንእሰያት ምንባሩ’ውን እታ ጋዜጣ ኣነጺራ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0