ሶማል፣ ካብ ኢትዮጵያ ዝዋፈር ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከምዘይትደሊ ኣነጺራ

RADIO ERENA – Thursday, 24 October 2024

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ከም መተካእታ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝዋፈር ኣረጋጋኢ ሓይሊ፣ ሰራዊት ኢትይጵያ ክህሉ ከምዘይደሊ ኣነጺሩ።

እቲ መንግስቲ ብ23 ጥቅምቲ፣ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ሶማል ምስ ህሉው ኩነታታን ረብሓን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ናብ ሃገሩ ንዝዋፈር ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካበየኖት ሃገራት ክኸውን ከምዘለዎ ናይ ምምራጽ መሰል ከምዝውንን ጠቒሱ።

ኢትዮጵያ፣ ምስ ሓንቲ ካብ ዞባታት ሶማል ዝኾነት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ስምምዕ ንሉኣላውነት ሶማል ዝግህስዩ ዝበለ አቲ መግለጺ፣ ብንኩ ድማ እታ ሃገር ኣብ እትልእኮ ዓቃብ ሰላም እምነት ከምዘይብሉዩ ኣገንዚቡ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ኣብ ትሕቲ ዓቓብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ተሓቝፉ ናብ ሶማል ዝወፈረ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣልሸባብ ኣብ ምድምምሳስ ከምቲ ዝድለ ክዕወት ዘይምኽኣሉ፣ ካልኣ ስትራቴጂ ምህንዳስውን ከም ምኽንያት ኣቐሚጥዎ ኣሎ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ መሻርኽቱ ምስ ዝኾኑ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኢውሮጳን ካልኦት ሃገራት ክሰርሕ ድሉው ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ ናብ ሶማል ዝዋፈር ሓይሊ ናይ ምምራጽ መሰል ግና ነቲ መንግስቲ ጥራይ ዝምልከት ምዃኑዩ ኣስሚርሉ።

ንኣስታት18 ዓመታት ናብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ መወድዳእታ ወርሒ ናይዚ ዓመት ተልእኾኡ ክዛዝም ትጽቢት ይግበረሉ።

ነቲ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ ኣስታት 30 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምትካእ፣ መንግስቲ ሶማል፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ወትሃደራት ኣብ ምስልጣን ይርከብ።

ይኹንምበር፣ ስግኣት ኣልሸባብ ምሉእ ብምሉእ ክቕንጥጥ ዘይክኣለ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ምርግጋእ ዝተሓጋገዞ ዞባዊ ሓይሊ ክዋፈር፣ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን መሻርኽቱን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገሩን እቲ ዞባን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ንምምይያጥ፣ ናብ ኬንያ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣካይዱ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0