ሶማል፣ ካብ ቱርኪ ሄሊኮፕተራት ኵናት ንምሽማት ትዝቲ

RADIO ERENA – Tuesday, 01 April 2025

መንግስቲ ሶማል፣ ካብ ቱርኪ ሄሊኮፕተራት ኵናት ንምሽማት ይዝቲ ከምዘሎ ንወትሃደራውያን ምንጭታት ብምጥቃስ፣ ዲፈንስ ኤክስፕረስ ሓቢሩ።

እተን T129 ATAK ዝዓይነተን ሄሊኮፕትራት፣ ጸረ ነፈርቲ ንዘይዓጠቐ ሓይሊ ኣብ ምህዳንን ምጥቃዕን ብዙሕ ኣበርክቶ ክግበራ ከምዝኽእላ ዩ ዝእመነለን።

ኣንጻር ኣልሸባብ ጽዑቕ ወትሃደራዊ ዘመተ ኣብ ምክያድ ዝርከብ መንግስቲ ሶማል፣ ንናይ ኣየር መጥቃዕቲ ካብ ኣመሪካን ኢትዮጵያን ሓገዝ ከምዝሓተትት ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢጣልያ ብዝሃቦ 10 ሄሊኮፕተራት ንጥፈታቱ ዘካይድ ሓይሊ ኣየር ሶማል፣ ብዝይካ ኣብ ምምልላስ ሰራዊትን፣ ዕጥቅን ስንቅን፣ ኣብ መጥቃዕቲ ክሳተፍ ኣይጸንሐን።

ኣብ ኤርትራ፣ ቱርኪን ግብጺን፣ ኣብረርትን ቴክኒሻናተን ነፈርቲ ውግእ ዘሰልጠን ዘሎ ሓይሊ ኣየር ሶማል፣ ብዝያዳ እግሪ ንምትካሉ፣ ካብ ቱርኪ ዘመናውያን ሄሊኮፕተራትን ድሮናትን ንምዕጣቕ ድሌት ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑዩ።

ምስ ቱርኪ ኣብ ምክልኻል፣ ጸዓትን ካልእ ጽላታትን ናይ ምትሕግጋዛት ውዕል ዘለዋ ሶማል፣ ሰራዊታ ብዘመናዊ መልክዕ ንምቛሙ፣ ኣብዚ እዋንዚ ዝልዓለ ጠመትኣ ናብ ቱርኪ ኣንቢራ ከምዘላ ይፍለጥ።

ኣብዚ ጉዳያት እዚ ንምምይያጥ ድማ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብዚ ሳልስቲዚ ናብ ኣንካራ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ጣይብ ኤርዶዋን ተመያይጡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0