ሶማል፣ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሓቚፉ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሃገር ክወጽእ ወሲና

RADIO ERENA – Tuesday, 2024

መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ትሕቲ ተልእኾ ዓቓብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ተዋፊሩ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጠቕሊሉ ክወጽእ ከምዝወሰነት መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ብምሉኡ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመትዚ ንምውጻእ መደብ ከምዘለዎ እኳ እንተገለጸ፣ ኣብ ፍሉይ ስርሒታትን ሓለዋን ዝዋፈረ ኣሃዱታት ግና ክቕጽል ትጽቢት ይግበረሉ።

እንተኾነ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣብ ፍሉይ ተልእኾታት ዝዋፈራ ኣሃዱታት ክጽንበር ከም ድሌት ከምዘይብሉ መንግስቲ ሶማል ኣነጺሩ ኣሎ።

ካብ 2006 ኣትሒዙ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ ኣስታት 30 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ብሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ንምትካእ፣ መንግስቲ ሶማል ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ኣሽሓት ወትሃደራት ኣብ ምምልማል ይርከብ።

ኢትዮጵያውን ኣብዚ ናይ መንግስቲ ሶማል ተበግሶ መሻርኽቲ እኳ እንተነበረ፣ ድሕሪቲ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ሰነዳት ባሕሪ ግና ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ኣለዉ።

ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተመሞ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፣ ሉኣላውነትን ዝግህስን ግዝኣታዊ ሓድነት ዝጥሕስንዩ ብምባል መንግስቲ ሶማል ከምዝተቓወሞ ይፍለጥ።

ከም ግብረ መልሲ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበረ ኣምባሳዳደሩ ብምስሓብ፣ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ካብ ሞቛድሹ ከምዝሰጎጎ ይዝከር።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0