Radio Erena: Wednesday, 13 September 2023
ኣልሸባብ፣ ኣብ ዞባ ጋልምዱግ፣ ኤል ጋራስ እብ ዝተባህለት ሓውሲ ከተማ ኣብ ዘጻወዶ ነታጕ፣ መሓመድ ያር ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ዝርቦም ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ መንግስቲ ኣረጋጊጹ።
እቲ ብ11 መስከረም፣ ነታጕ ብምጽዋድ ዝተኻየደ ስርሒት፣ ንኣማሓዳሪ ዞባ ጋልምዱግ፣ ኣሕመድ ዓብዲ ካሪ ንምቕታል ዝዓለመ ምንባሩ’ዩ ተመልኪቱ።
ሚኒስተር ዴታ ሚኒስትሪ ዜና ዞባ ጋልምዱግ፣ ኣብሺር ዓብዲ ሸኮው ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ኣማሓዳሪ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ከባቢ እኳ እንተነበረ፣ ዝኾነ ጉድኣት ከምዘይበጽሖ ኣረጋጊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደ ዝሕበር ዘሎ፣ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ትሕቲ ኣልሸባብ ንዝነበረት ሓውሲ ከተማ ኤል ጋራስ፣ ቅድሚ ሳልስቲ ድሕሪ ምቑጽጻሩ’ዩ።
እቲ ሰራዊት፣ ነታ ከተማ ድሕሪ ምቑጽጻሩ፣ ሓላፋኢ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሶማል፣ ማሓድ ሳላድን ሚኒስተር ምክልኻል፣ ዓብደልቓድር መሓመድኑርን ንኩነታት ጸጥታኣ ንምዕዛብ ዑደት ከምዘካየዱ እቲ ሚኒስተር ዴታ ኣነጺሩ።
ኣልሸባብን ሰራዊት መንግስቲን ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ስትራቴጃዊ ቦታታት ንምቑጽጻር ኣብ ዘካየድዎ ዘለዉ ኵናት፣ ክልትኦም ዓወታት ከምዝተጎናጸፉ ይሕብሩ።
=========================
COMMENTS