ሶማል፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውባ ከባቢታት ሰራዊት ከተዋፍር ምዃና ኣፍሊጣ

RADIO ERENA – Tuesday, 08 October 2024

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት፣ ሰራዊት ከዋፍር ከምዝወሰነ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን፣ ኣሕመድ ሙዓሊም ፊቂ ገሊጹ።

ንሱ ነዚ ዝገለጸ፣ ብ06 ጥቅምቲ፣ ኣብ ሞቛድሾ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላዩ።

ዕላማ እቲ ናብ ዶብ ዝዋፈር ሰራዊት ሶማል፣ ካብ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዝውሕዝ ዘሎ ኣጽዋር ንምግታእ ምዃኑ ዩ እቲ ሶማላዊ ሚኒስተር ኣነጺሩ።

መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋር ንዝዋፈሩ ውልቀሰባት ይኹኑ ፖለቲከኛታት፣ ተሪር ስጉምቲ ከምዝወሰድ ውን ኣጠንቂቑ።

ሃገራዊ ድሕነት ሶማል ኣብ ሓደጋ ንዘእቱ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋር ንምግታእ፣ ዶባት ምቑጽጻርን ምሕላውን ድማ ዕማም መንግስቲ ምዃኑ እቲ ሚኒስተር ኣብ መወዳእታ ኣዘኻኺሩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዘተኮረ፣ ምስታ ሉኣላዊት ኣካል ሶማል ምዃና እትግለጽ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ድሕሪ ዝኸተመቶ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፣ ክልትኤን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዘይምትእምማንን ምትፍናንን ወዲቐን ይርከባ።

ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን እናበኣሰ ዝምጽእ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ፣ ብዝተፈላለዩ ወገናት ፈተነታት ይካየድ እኳ እንተሎ፣ ዛጊት ክሰምር ኣይከኣለን።

=================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0