ሶማል፣ ምሉእ ኣባል ሃገራት ማሕበረኮም ምብራቕ (EAC) ኣፍሪቃ ኮይና

RADIO ERENA – Thursday, 13 June 2024

ሶማል፣ ምሉእ ኣባል ማሕበረኮም ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ (East African Community) ኮይና።

እታ ሃገር ዝሓለፈ ሰሙን፣ ናብቲ ማሕበረኮም ብወግዒ ድሕሪ ምጽንባራ፣ ምስ ሓባራዊ መደባት ኣባል ሃገራት ናይ ምውህሃድ መስርሕ ክትጅምር ከምዝተፈቕደላ፣ ዋና ጸሓፊ’ቲ ማሕበረኮም ፒተር ማቱኪ ገሊጹ።

ሶማል ካብ 2012 ኣትሒዛ’ያ ናብቲ ኣብ ታንዛንያ፣ ከተማ ኣሩሻ ዝማእከሉ ማሕበረኮም ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምጽንባር ክትሓትት ጸኒሓ።

ማሕበረኮም ምብራቕ ኣፍሪቃ፣- ንታንዛንያ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ርዋንዳን ብሩንዲን ዝሓቖፈ ዞባዊ ማሕበር’ዩ።

ምስ ምጽንባር ሶማል፣ ብዝሒ ኣባላቱ ናብ ሸውዓተ ዓብዩ ዘሎ ማሕበረኮም ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ናጻ ምንቅስቓስ ሰባትን ንግዲን፣ ምምስራት ናይ ሓባር ባጤራን፣ ፖለቲካዊ ፌደረሽንን ዘጠቓለለ ራኢ ኣለዎ።

እዚ ኣብ 1967 ብኬንያን ኡጋንዳን ዝተመስረተ ማሕበር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 150 ሚልዮን ህዝቢ ንዝርከቦ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሸፊኑ ኣሎ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0