ሶማልን ግብጺን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከካይዳ’የን

RADIO ERENA – Tuesday, 03 September 2024

ናብ ሶማል ወትሃደራዊ ኣጽዋርን ሰራዊትን እተዋፍር ዘላ ግብጺ፣ ምስ ሰራዊት ሶማል ሓባራዊ ልምምድ ከተካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ዛጊት ብዝሑ ዘይተነጸረ ናብ ሶማል ዝዋፈር ዘሎ ሰራዊት ግብጺ፣ ኣብ በረኻታት ሶማል፣ ናይ ሓውሲ ደባይ ኵናትን ካልእ ስልቲ ውግኣትን ልምምድ ከምዘካይድ መርበብ ዜና ዘ ሚሊታርይ ጠቒሱ።

ዘ ናሽናል ኣብ ዘስፈረቶ ጸብጻብ ድማ፣ እቲ ሰራዊት ግብጺን ሶማል ዘካይድዎ ልምምድ፣ ሓይልታት ባሕሪን ኣየርን’ውን ከምዘጠቓልል’ዩ።

እቲ ወትሃደራዊ ልምምድ ዝጅምረሉ ዕለት እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ከምዝካየድ ተመልኪቱ ኣሎ።

ግብጺ፣ ሰራዊታ ናብ ሶማል ምልኣኻ፣ ነታ ብጉዳይ ዲጋ ተሃድሶን ኣጠቓቕማ ናይልን ኣብ ምስሕሓሓብ እትርከብ ኢትዮጵያ ናይ ጸጥታ ስግኣት ከምዝፈጠረላ ክግለጽ ቀንዩ’ዩ።

ሶማል፣ ምስ ግብጺ ኣብ ጸጥታን ወትሃደራውን ዘተኮረ ምትሕግጋዝ ትደፍኣሉ ዘላ፣ ግብረ መልሲ ናይቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ናይ መረዳድኢ ሰነድ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ሰነደ፣ ኢትዮጵያ ኣስታት 25 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ብመልክዕ ናይ ነዊሕ ዓመታት ውዕል ክራይ ክትውንን እንከላ፣ ኢትዮጵያ ድማ ንርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህብ ዝብል ይርከቦ።

ኢትዮጵያ፣ ነዚ ናብ ትግባረ ንምስግጋር፣ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ምሉእ ኣምባሳደር ክትምድብ እንከላ፣ ከም ምግሃስ ሉኣላውነታ እትርእዮ ሶማል ድማ፣ ንኢትዮጵያ የስግኣየን ምስ ዝበለተን ሃገራት ወትሃደራዊን ጸጥታን ምትሕግጋዛት ተሐይል ኣላ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ሶማል፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ዓቓብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ተዋፊሩ ዝርከብ ኣስታት 10 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክወጻእን ብሰራዊት ግብጺ ወይ ካልኦት መሻርኽቲ ክትካእን ከምእትደሊ’ዩ ዝንገር።

ጎረቤት ሶማልን ኢትዮጵያን ዝኾነት ጂቡቲ፣ ነዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተወሳኺ ረምጺ ከነሃህር ዝኽእል ስጉምታት ንምህዳእ፣ ኢትዮጵያ ንወደብ ታጁራ ናይ ጂቡቲ ክሳብ ናይ ምምሕዳሩ ስልጣን ክትፈቕደላ ከምእትኽእል ኣሚታ ኣላ።

እንተኾነ፣ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ቁጠባዊ ጥራይ ዘይኮነ፣ ናይ ህልውንናን ሉኣላውነትን ክብሪ’ዩ ኢላ እትኣምን ኢትዮጵያ፣ ነዚ ናይ ጂቡቲ እማመ ከምዘይትቕበሎ’ዮም ተንተንቲ ዘረድኡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0