RADIO ERENA – Thursday, 27 February 2025
ሶማልን ኢትዮጵያን፣ ንክልቴን ሃገራት ኣብ ዘገድስ ጸጥታዊ ጉዳያት ብሓባር ክሰርሓ ከምዝተረዳድኣ ሓቢረን።
እዘን ሃገራት ነዚ ዝሓበራ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ብሓሙስ 27 ለካቲት፣ ናብ ሞቛድሾ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምክያድ፣ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ድሕሪ ምምይያጦም ኣብ ዘውጽኦኦ ሓባራዊ መግለጺ‘ዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፡ ኣብ ጥሪ 2024፡ ድሕሪ ዝኸተመቶ ናይ መረዳድኢ ሰነደ፣ ምስ ሶማል ኣብ ምፍጣጥ ‘ያ ጸኒሓ።
ይኹን‘ምበር ብመጎኘነት ቱርኪ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2024፡ ድሕሪ ዝበጽኦ ምርድዳእ፣ ክልትኤን ሃገራት ጉዳያተን ብዘተ ክፈትሓ ተሰማሚዐን።
ጎኒ ጊኒ‘ቲ ቴክኒካዊ ኮሚቴ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ቱርኪ ዘካይድዎ ዘሎ ርክባት፣ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ናብ ሞቓድሾ ብምብጻሕ ምስ ሶማላዊ መዘንኡ ተመያይጡ።
ድሕሪ‘ዚ ምይይጥ እዚ ድማ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሓቝፉ ናብ ሶማል ዝዋፈር ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክሳተፍ ምዃና ተረጋጊጹ።
ኣብ ርእሲ‘ዚ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ኣብ ሓባራዊ ጸጥታዊ ጉዳያትን ካልእን ክተሓጋገዛ ዘኽእለን ብዕምቆት ንምምይያጥ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ሞቛድሾ ተራኺቦም።
ስእሊ፦ ካብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ
===================
COMMENTS