RADIO ERENA – Tuesday, 26 November 2024
ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ፣ ክሊ ማይ ማዳጋስካር፣ ሶማላውያ ዝጸዓና ክልተ ጀላቡ ብምጥሓለን፣ ብውሕዱ 24 ሰባት ከምዝሞቱ መንግስቲ ሶማል፣ ብ24 ሕዳር ሓቢሩ።
እተን ጀላቡ፣ ልዕሊ 70 ሶማላውያን ጽዒነን ከምዝነበራ ዝገለጸ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣሕመድ ሙዓሊም ፊቂ፣ ነቶም ብህይወት ዝደሓኑ 46 ናብ ሃገሮም ንምምጻእ ወኪል መንግስቲ ሶማል ናብ ማዳጋስካር ከምዝልኣኹ ጠቒሱ።
እቶም ሶማላውያን፣ ናብ ህንዳዊ ውቅያኖስ፣ ክሊ ማይ ማዳጋስካር ዝበጽሕሉ ምኽንያት ኣብ ምጽራይ እኳ እንተሎ፣ ናብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ናብ ስደት የቕንዑ ምንባሮም ይግመት።
ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ መንግስቲ ሶማል ኣብ ክሊ ማይ ሞሮኮ ተዓጎቶም ንዘለዉ ዜጋታቱ ንምምጻእ ልኡኽ ናብታ ሃገር ከምዝሰደደ‘ውን ሚኒስተር ፋቂ ኣመልኪቱ።
እቶም ሶማላውያን ፣ ብኸመይ መንገዲ ናብ ክሊ ማይ ሞሮኮ ክበጽሑ ከምዝኸኣሉ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ መንግስቲ ሶማል፣ ንዝስጎጉ ዜጋታቱ ክቕበል ፍቓደኛ ኣይኮነን ብዝብል፣ መንግስቲ ፊንላንድ ነታ ሃገር ዝህቦ ዝነበረ ልምዓታዊ ሓገዝ ደው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ።
ኣብ ምምላስ ሶማላውያን ስደተኛታትን ምቕጻል ልምዓታዊ ሓገዝን ምስ ጀርመን ስምምዕ ዝኸተመት ሶማል፣ ምስ ፊንላንድ‘ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክትወስድ‘ዩ ድፊኡት ዝግበረላ ዘሎ።
ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=========================
COMMENTS