”ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ዝበጽሖኦ ኣፈናዊ ስምምዕ ተግባራዊ ከምዝኸውን ምሉእ እምነት ኣለኒ”፣ ሙሰ ቢሒ

RADIO ERENA – Wednesday, 22 May 2024

ሶማሊ ላንድን ኢትዮጵያን ዝበጽሖኦ ኣፈናዊ ስምምዕ ተግባራዊ ከምዝኸውን ምሉእ እምነት ኣለኒ፣ ክብል መራሒ’ታ ርእሰ ምምሕዳር ሙሰ ቢሒ ኣብዲ ገሊጹ።
ንሱ ብሰኑይ 20 ግንቦት፣ መበል 33 ዓመት ምእዋጅ በይናዊ ርእሰ ውሳኔ ሶማሊ ላንድ ኣብ ዝኽበረሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ኣፈናዊ ስምምዕ፣ ተግባራዊ ኣይኮነን ዝብሉ ወገናት፣ ካብ ሕልሞም ክበራበሩ እጽውዕ ኣለኹ ኢሉ።
ንወደብ ብዝምልከት ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊ ላንድ ክትዘራረብ ኣብ ዝጀመረትሉ፣ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ‘ኢትዮጵያ ኣብ ግዝኣት ሶማል ምትእትታው ትገብር ስለዘላ ርእሰ ምክልኻል ክንገብር ክንግደድ ኢና’ ክብል ንኲናት ድሉው ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባሩ፣ እቲ ጉዳይ እንዳቀሃመ እዩ ክመጽእ ጸኒሑ።
እንተኾነ ሙሰ ቢሒ ብዕለት 20 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንተግባራውነት እቲ ስምምዕ ርግጸኛ ምዃኑ፣ ኣብ ሓጺር እዋን ከኣ ወግዓዊ ንክኸውን፣ ናብ ሓጋጊ ኣካል’ታ ርእሰ ምምሕዳር ክቐርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ እዚ ዜና ናብ ስቱድዮ ክሳብ ዝኣተወሉ እዋን፣ ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበትን ዘላ። ኣህጉራዊያን መሻርኽቲ ኢትዮጵያ፣ እታ ሃገር ምስ ሶማሊ ላንድ ክትሰርሕ እንተጀሚራ ነቲ ዞባ ካልእ ነውጺ ክፈጥረሉ ስለዝኾነ፣ ክትቁጠብ ምኽርታት ይልግሱ ከምዘለዉ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ይሕብሩ።
እቲ ኣፈናዊ ስምምዕ፣ ኢትዮጵያ ክሳብ 20 ኪሎሜትር ዝበጽሕ ናይ ባሕሪ ገማግም ንሓምሳ ዓመት ክትውንን፣ ኣምሳያኡ ከኣ ንሶማሊላንድ ወግዓዊ ተፈላጥነት ክትህብ ዝብል እዩ።

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0