RADIO ERENA – Wednesday, 20 November 2024
ሶማሊላንድ ካብ ሶማል፣ ተፈልያ ንገዛእ ርእሳ ከም ነጻ ሃገር‘ኳ እንተኣወጀት ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ብዘይምርካባ ግን ‘ከም ሉኣላዊት ሃገር‘ ክትቁጸር ኣይከኣለትን::
ሶማሊላንድ ድሕሪ‘ቲ ን10 ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ፣ ኣብ 18 ግንቦት 1991 ካብታ ብጀነራል ሰይድ ባረ ትምራሕ ዝነበረት ሶማል ተፈልያ ናጽነታ ኣዊጃ።
ኣብ 2002 ናይ ቅዋም ምርጫ ኣካይዳ። ኣብ 2003፣ ብመስርሕ ሓደ ሰብ ሓደ ድምጺ፣ ቀጥታዊ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣተኣታትያ።
ኣብዛ ርእሰ ምምሕዳር፣ ኣብዚ ቅንያት‘ዚ ንራብዓይ ግዜ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣካይዳ። ኣብዚ ደሞክራስያዊ መስርሕ ዝተኸተለ ምርጫ፣ ካብ 2017 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ንዝጸንሐ ሙሴ ዓብዲ ብሒ ስዒሩ፣ ዓብድራሕማን ሞሓመድ ዓብዱላሂ (ዒሮ) ተዓዊቱ ኣሎ።
ሶማሊላንድ ከም ሃገር ምሉእ ኣፍልጦ‘ኳ እንተዘይረኸበት፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ ሃገራት፣ ብደሞክራሲ መወዳድርቲ የብላን። ኣብ ሰላም፣ ምርግጋእ፣ ወፍሪን ምዕባለን ‘ውን ምስ ሃገራት ብምንጽጻር ብዙሕ ሰጕማ ኣላ።
ሶማሊላንድ፣ ካብታ ዝተፈልየታ ብናይ ብውክልና ቀቢላታት ምርጫ እተካይድ ሶማል፣: ካብታ ኣብ 1977 ናጻ ካብ እትኸውን ክልተ ፕረዚደንታት ጥራይ ርእያ ዘላ ጅቡቲ፣ ካብታ ናጽነታ ካብ እትረክብ ን33 ዓመታት ምርጫ ዘየካየደትን ብሓደ ስብ እትምራሕን ኤርትራ፣ ካብ ናይ ብሄርን ግጭታት ዘይፍለያ ኢትዮጵያን ብኲናት ሓድሕድ ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት እትሕመስ ዘላ ሱዳንን ብዝተዓጻጸፈ ኣብ ርግኣት ትርከብ።
ሓድሽ ተመሪጹ ዘሎ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ ብድሆታቱ፣ ነታ ርእሰ ምምሕዳር ከም ሉኣላዊት ሃገራት ንኽትፍለጥ ዝገብሮ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪን፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ፣ ንዋነት ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ናይ መረዳዳኢ ሰነድን ፈጢርዎ ዘሎ ዞባዊ ቅልውላውን‘ዩ።
===============
COMMENTS