ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጽባሕ ሓድሽ ዓመት 47 ሰባት ብሞት ቀጺዓ

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጽባሕ ሓድሽ ዓመት 47 ሰባት ብሞት ቀጺዓ

Radio Erena: 04 January 2015

Saudi Executes

ስዑዲ ዓረብ፣ ብሽበራ ዝኸሰሰቶም 47 ሰባት ኣብ ጽባሕ ሓድሽ ዓመት ብሞት ምቕጽዓ፣ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ሓድሽ ወጥሪ ኣኸቲሉ ይርከብ።

እታ ሃገር፣ ኤርትራ እትርከበን 35 ሃገራት ብእስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ ድሕሪ ምጥርናፋ፣ ሃይማኖታዊ መራሒ ሺዓ ንዝርከቦም 47 ሰባት ኣብ ሓደ መዓልቲ ምቕታላ፣ ካብ ሓያሎ ወገናት ተቓውሞ ይገጥማ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቶም ብግብረ ሽበራ ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም ዝበሎም 47 ሰባት ብምስያፍን ብምርሻንን ከምዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ።

 

ሓድሽ ዓመት፣ ሓያሎ ሃገራት ንእሱራት ምሕረት ዝገብራሉን፣ ናይ ጽገናን ዕርቅን ዝኣመሰለ ሓድሽ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ዘበጋግሳሉ ዕለት ክነሱ፣ ስዑዲ ዓረብ በንጻሩ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ሰብ ብሞት ምቕጽዓ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብትሪ ተነቒፋ።

ብእምነት ሺዓ እትምራሕ ኢራን ከኣ፣ ስዑዲ ዓረብ ሃይማኖታዊ መራሒ ሺዓ ብሞት ምቕጽዓ ሳዕቤን ከምዘለዎ ኣጠንቒቓ።

በቲ ፍጻሜ ዝተቖጥዑ ኣመንቲ ሺዓ ዝኾኑ ኢራናውያን ከኣ ኣብ ቴህራን ንዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ኣጥቒዖም።

ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ብሰንኪ ጉዳይ የመን ኣብ ምትፍናን ከምዝርከባ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ቕትለት ስዑዳዊ ሃይማኖታዊ መራሒ ሺዓ ከኣ እቲ ምትፍናን ብኢሱ ይርከብ።

ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እባ ቅድሚት ካብ ዝስራዓ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ዓመተ 2015 ብሞት ናይ ዝቐጽዓቶም ሰባት ልዕሊ150 ከምዝበጽሕ ጸብጻባት የመልክቱ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0