ስዑዲ ዓረብ ብ5 ሕዳር ኣብ ዝጀመረቶ ጽዑቕ ግፋ፣ ኣሽሓት ናይ ወጻኢ ዜጋታት ኣብ ቀይዲ የእትያ፣ ሻቕሎት ኤርትራውያን ድማ መመሊሱ ሰማይ ይዓርግ

ስዑዲ ዓረብ ዘይሕጋውያን’ዮ ንዝበለቶም ስደተኛታት ንምጥራዝ ትማሊ ኣብ ዝጀመረቶ ግፋ ዜጋታት ሓያሎ ሃገራት ዝርከብዎም ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተውወ ተገሊጹ።

 

ኣብቲ ብ5 ሕዳር ዝፈለመ ግፋ፣ ኣብ ጀዳ ጥራይ ኣስታት 2 ሽሕ ዜጋታት ሓያሎ ሃገራት ክግፈፉ እንከለዉ፣ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ድማ ኣስታት ሽሕ ተገፊፎም ኣለዉ።

ነቲ ዕማም ከካይዱ ፍሉይ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ዘለዉ ኣባላት ፖሊስን ምክትታልን ዘይሕጋውያን ወጻእተኛታት ብብዝሒ ኣብ ዝንቀሳቐስሉን ዝእከልቡል ከባቢታት ኣብ ገሊኡ ድማ ኣብ መንበሪ ገዛ እናእተዉ ይገፉ ምህላዎም ካብታ ሃገር ዝረኸብናዮ ሃበሬታ የመልክት።

እቶም ዝተገፉ ክሳብ ነናብ ዓዶም ዝጥረዙን ድማ ኣብ ኣብ ጀዳ ርያድን ደማምን ኣብ ዝርከብ ሃንገራት ተዳጕኖም ክጸንሑ ምዃኖም ይሕበር።

ዛጊት ረኺብናዮ ብዘሎና ሓበሬታ፣ መብዛሕቶም እቶም ተገፊፎም ዘለዉ ወጻእተኛታት ዜጋታት ሃገራት ኤስያ’ዮም።

ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን’ውን ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

በዚ ናይ ትማሊ ግፋ ዝተተንከፉ ኤርትራውያን ምህላዎም ዘረጋግጽ ዝኾነ ሓበሬታ እኳ እንተዘየለ፣ እቲ ኩነታት እናተኸታተልና በብእዋኑ ከነቓልሖ ክንፍትን ኢና።

================================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0