ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ጂቡቲ ን92 ዓመታት ዝጸንሕ መደበር ሎጂስቲክስ ተኻርያ

Radio Erena: Friday, 07 June 2024

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ወደብ ጂቡቲ ኣብ ዝተደኮነ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ፣ መደበር ሎጂስቲክ ከምዝወነነት
ኣፍሊጣ።

እቲ ብመልዕ ክራይ ን92 ዓመታት ከምዝጸንሐ ዝተጠቕሰ ማእከል ሎጂስቲክስ፣ ኣብ 120 ሽሕ ትርብዒት ሜትር ዝተደኮነ ምዃኑ ጋዜጣ ስዑዲ ሓቢራ።

እቲ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃን ካልእ ክፋል እቲ ዞባ ዝቐንዐ ንግዳዊ ዕላማ ዘለዎ ውዕል መደበር ሎጂስቲክስ፣ ብወገን ስዑዲ ዓረብ፣ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን፣ ሓሰን ኣል ሑዋይዚ፣ ብወገን ጂቡቲ ድማ ኣቦ መንበር በዓል መዚ ወደብ ጂቡቲን ናጻ ዞባን፣ ኣቡባከር ዑመር ሓዲን’ዮም ከቲሞሞ።

እቲ ውዕል፣ ብ04 ሰነ ኣብ ከተማ ጂቡቲ ኣብ ዝተኸተመሉ፣ ሚኒስተራት፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን፣ ኣወፈርቲን ነጋዶን ክልቲቲኤን ሃገራት ዝርከብዎም ኣስታት 300 ዕዱማት ተረኺቦም።

ብፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ፣ ልዕሊ 100 ኣውፈርቲ፣ ነጋዶን ወከልቲ ማሕበራትን ትካላትን ሓቝፉ’ዩ ናብ ጂቡቲ ኣምሪሑ።

እዚ ኣብ መንጎ ጂቡቲን ስዑዲ ዓረብን ተኸቲሙ ዘሎ፣ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ውዕል ክራይ መሬት፣ ኣብ ስምምዕ ንኽብጻሕ ክንደይ ዝኣከል ገንዘብ ተኸፊሉ ብክልቲኦም ወገናት ኣይተሓበረን።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ጂቡቲ፣ ብዘይካ’ቲ ብወግዒ ወኒናቶ ዘላ ኣብ ንግድን ወፍሪን ዘተኮረ ማእከል ሎጂስቲክስ፣ ውትሃደራዊ መዓስከር ንምቛም’ውን መደብ ከምዘለዋ’ዩ ዝሕበር።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ 79 ኣባላት ማሕበረ ሰብ ንግዲን ወፍሪን ስዑዲ ዓረብ ዝሓቖፈ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ናብ ኢትዮጵያ ኣምሪሑ ኣሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0