ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብያተ መግቢ፣ ብጾታ ፈላልየን ኣገልግሎት ክህባ ዘገድድ ሕጊ ተሰሪዙ

Radio Erena: 10 December 2019

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብያተ መግቢ፣ ንደቂንስትዮን ደቂተባዕትዮ ፈላልየን ኣገልግሎት ክህባ ዘገድድ ሕጊ ተሰሪዙ።

ብመሰረት እቲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ብሰንበት 8 ታሕሳስ ዘመሓላለፈቶ ኣዋጅ፣ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ጸኒዑ ዝጸንሐ፣ ደቂንስትዮ ምስ ቆልዑ፣ ደቂተባዕትዮ ንበይኖም፣ ተፍላልዮም ዝግልገልሉ ክልተ ኣፍደገታት ኣብያት መግቢ ኣይከድልን’ዩ።

ኣብዚ ክልተ ዓመታት እቲ ሕጊ ቀስ ብቐስ ተፋዅሲ እኳ እንተጸንሐ፣ ብወግዒ ካብ ዝእለ ግና ሎሚ ካልኣይ መዓልቲ’ዩ።

ብጽኑዕ ሕጊ ሸርዓ እትመሓደር ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ 2017 ኣትሒዛ ብእተተኣታትዎ ዘላ ለውጥታት፣ ንደቂንስትዮ ገሊሉ ዝጸንሐ ቀይድታት ብምፍራስ፣ ማዕርነት ጾታ ንምርግጋጽ ትሰርሕ ከምዘላ’ያ ትጠቕስ።

ከም ምምራሕ መኪና፣ ብዘይመሰነይታ ሰብኣይ ፓስፖርት ምሓዝን ምጋሽን፣ ኣብ ማእከላት መዘናግዒን ሜዳታት ስፖርትን ምስ ደቂተባዕትዮ ምጽንባርን ዝኣመሰለ ንደቂንስትዮ ክልኩል ዝነበረ ሕግታት ተኣልዩ ኣሎ።

ደቂንስትዮ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታን ሰራዊትን ክኾና ዝፈቐድኣዋጅ ምውጽኡ’ውን ይዝከር።

ብራኢ 2030 ዝፍለጥ ውጥን ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ መሰላት ደቂ ሰብ፣ ማዕርነት ጾታን ካልእን ዘድሃበ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ቁጠባውን ለውጥታት ንምትእትታው ዘንቀደ’ዩ።

=================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0