ስዑዲ ዓረብ፣ ንነዊሕ ዓመታት ክእሰሩ ዝተረፍዱ 44 ናይ ፖለቲካ እሱራት ፈቲሓ

RADIO ERENA – Tuesday, 08 April 2025

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ንንዊሕ ዓመታት ክእሰሩ ዝተፈርዱ፣ 44 ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዝፈትሐት ኣህጉራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት – ሁማን ራይትስ ዎች ሓቢሩ።

እቶም ብሽበራ፣ ሕጊ ሸሪዓ ብምጥሓስ፣ ዘይግብኡ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሜድያ፣ ነጠፍተኛታትን ኣብ ካልእ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ዝዋስኡን ደቂተባዕትዮን ደቂንስትዮን ዝርከውቦም 44 እሱራት፣ ካብ ታሕሳስ 2024 ክሳብ ለካቲት 2025 ኣብ ዝነበረ ግዜዮም ተፈቲሖም።

እዞም ካብ 2 ክሳብ 40 ዓመታት ክእሰሩ ዝተፈርዶም ናይ ፖለቲካ እሱራት፣ ገሊኦም ናይ ማእሰርቲ ግዜኦም ዝወድኡ ክኾኑ እንከለዉ፣ ዝበዝሑ ግና ገና ልዕሊ 20 ዓመታት ምእሰርቲ ተሪፍዎም እንከሎ፣ ብኣመክሮን ምሕረትን ዝተፈትሑዮም።

ሓንቲ ካብቶም ብኣመክሮ ዝተፈትሑ፣ ሳልማ ኣልሸባብ ኮይና፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ብምዝርጋሓ ኣብ 2021 ተኣሲራ ን34 ዓመታት ዝተፈርደትያ።

መሓመድ ኣል ጋዳሚውን ብሽበራ ተኸሲሱ፣ ኣብ ግንቦት 2024 20 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ ባህርያቱ ምምሕያሽን ለውጢን ኣምጺኡ መሰላቱ ብሕጋዊ መንገዲ ክሓትት ስለዝኸኣለ፣ ብምሕረት ካብ ማእሰርቲ ካብ ዝተፋነዉ ኮይኑ ኣሎ።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ዝተፈርዶም ናይ ማእሰርቲ ግዜ ወዲኦም፣ ገሊኦም ድማ ብምሕረትን ኣመኩሮን10ታት ሰባት እኳ እንተፈትሕት፣ ናይ ሞት ምቕጻዕቲ ዝተፈርዶም ዝርከብዎም ኣማኢት ናይ ፖለቲካን ሃይማኖትን እሱራት ከምዘለዉዋ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት የመልክት።

ብእስላማዊ ሕጊ ሸሪዓ እትመሓደር ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ሓንቲ ካብተን መሰል ደቂ ሰባት ውልቃዊ ሓርነት ዜጋታትን ዘይክበረለን ሃገራት ዓለም ተባሂላያ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0