RADIO ERENA – Tuesday, 08 April 2025
ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ንንዊሕ ዓመታት ክእሰሩ ዝተፈርዱ፣ 44 ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዝፈትሐት ኣህጉራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት – ሁማን ራይትስ ዎች ሓቢሩ።
እቶም ብሽበራ፣ ሕጊ ሸሪዓ ብምጥሓስ፣ ዘይግብኡ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሜድያ፣ ነጠፍተኛታትን ኣብ ካልእ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ዝዋስኡን ደቂተባዕትዮን ደቂንስትዮን ዝርከውቦም 44 እሱራት፣ ካብ ታሕሳስ 2024 ክሳብ ለካቲት 2025 ኣብ ዝነበረ ግዜ‘ዮም ተፈቲሖም።
እዞም ካብ 2 ክሳብ 40 ዓመታት ክእሰሩ ዝተፈርዶም ናይ ፖለቲካ እሱራት፣ ገሊኦም ናይ ማእሰርቲ ግዜኦም ዝወድኡ ክኾኑ እንከለዉ፣ ዝበዝሑ ግና ገና ልዕሊ 20 ዓመታት ምእሰርቲ ተሪፍዎም እንከሎ፣ ብኣመክሮን ምሕረትን ዝተፈትሑ‘ዮም።
ሓንቲ ካብቶም ብኣመክሮ ዝተፈትሑ፣ ሳልማ ኣልሸባብ ኮይና፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ብምዝርጋሓ ኣብ 2021 ተኣሲራ ን34 ዓመታት ዝተፈርደት‘ያ።
መሓመድ ኣል ጋዳሚ‘ውን ብሽበራ ተኸሲሱ፣ ኣብ ግንቦት 2024 ን20 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ ባህርያቱ ምምሕያሽን ለውጢን ኣምጺኡ መሰላቱ ብሕጋዊ መንገዲ ክሓትት ስለዝኸኣለ፣ ብምሕረት ካብ ማእሰርቲ ካብ ዝተፋነዉ ኮይኑ ኣሎ።
ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ዝተፈርዶም ናይ ማእሰርቲ ግዜ ወዲኦም፣ ገሊኦም ድማ ብምሕረትን ኣመኩሮን10ታት ሰባት እኳ እንተፈትሕት፣ ናይ ሞት ምቕጻዕቲ ዝተፈርዶም ዝርከብዎም ኣማኢት ናይ ፖለቲካን ሃይማኖትን እሱራት ከምዘለዉዋ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት የመልክት።
ብእስላማዊ ሕጊ ሸሪዓ እትመሓደር ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ሓንቲ ካብተን መሰል ደቂ ሰባት ውልቃዊ ሓርነት ዜጋታትን ዘይክበረለን ሃገራት ዓለም ተባሂላ‘ያ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።
==================
COMMENTS