ሊብያን ቱኒዝያን፣ ኣብ ዶባተን ተዓጊቶም ንዘለዉ ስደተኛታት ክቕበላ ከምዝተሰማምዓ ተገሊጹ

Radio Erena: Wednesday, 16 August 2023

ንሊብያን ቱኒዝያን ኣብ ዘራኸብ ከባቢታት ራስ ጃዲር ተዓጊቶም ንዘለዉ ኣማኢት ስደተኛታት ንምዕቛብ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ተገሊጹ።

እቲ ብ15 ነሓሰ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፣ ኣብቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ፣ ኣጻምእ ከባቢታት ተዓጎቶም ዘለዉ ኣስታት 300 ስደተኛታት፣ ናብ ክልቲኤን ሃገራት ግዒዞም፣ ግዝያዊ መዕቆቢ ክዳለወሎም ዝሕግዝ’ዩ።

ቱኒዝያ፣ ሸሞንተ ቆልዑ፣ 42 ደቂንስትዮን 76 ደቂተባዕትዮን ክትቕበል ምዃና ኣፈኛ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ፋካር ቡዝጋያ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣረጋጊጹ።

መብዛሕቶም እቶም ኣብቲ ኣጻምእ ተዓጊቶም ዘለዉ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብኦም ስደተኛታት፣ መንግስቲ ቱኒዝያ ካብ ከተማታት ገፊፉ ናብቲ በረኻ ዝመለሶም’ዮም።

ቱኒዝያ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ልዕሊ ዘይብሎም ስደተኛታት ትፍጽሞ ምህላዋ፣ ብማዕከናት ዜና ዝጋዋሕ ዘሎ ሓበሬታ፣ ጸለመ’ዩ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፣ ብ08 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነጺጉ’ዩ።

እንተኾነ ቱኒዝያ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ንምግታእ ዶባታ ናይ ምሕላው መሰል ከምዘለዋ እቲ ሚኒስትሪ ኣዘኻኺሩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0