ስዑዲ ዓረብን ኢትዮጵያን ኣብ ህሉው ዞባዊ ኩነታት ተመያይጠን

RADIO ERENA – Thursday, 20 March 2025

ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ዋሊድ ዓብደልከሪም ኣልኸረይጂ ዝምራሕ ላዕለኣይ ልኡኽ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ፣ ብረቡዕ 19 መጋቢት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ጊዶዎን ጢሜቴዎስን ብምርኻብ ዘትዩ።

ዕላማ እቲ ዑደት፣ ኣብ ክልታውን ዞባዊን ጉዳያት ንምምይያጥ ጥራይ እኳ እንተተገልጸ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ብወገን ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ፣ ኢትዮጵያ ውደብ ዓሰብ ንምሓዝ ወራር ክትፍጽምያ ኣብ ዝብል ስግኣት ዝተኮረ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ይእምቱ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝሓዘ ደብዳቤ ናብ ወራሲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ንምብጻሕ፣ ብ10 መጋቢት ናብ ስዑዲ ዓረብ ገይሹ ምንባሩ ይዝከር።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝጸንሓሉ ሓደ መዓልቲ፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ምክትሉን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ከምዝዘተዩውን ይዝከር።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣውሓሲት ናይቲ ኣብ መስከረም 2018፣ ኣብ ጀዳ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዃና ይፍለጥ።

ኣንጻር ህወሓት ናይ ሓባር ግንባር ንምፍጣር ዝመንቐሊኡ ስልታዊ ዝምድና ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣብይ ኣሕመድን፣ ኣርባዕተ ዓመታት ምሉእ ከይሰጎመ፣ ኣብ መንጎ ክልትኦም መንግስታት ምትፍናን ክርአ ጸኒሑ።

ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ኣልዒላቶ ዘላ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ፣ ፈለማ ንሶማልያ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ንኤርትራ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩላ ይርከብ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ብሓሙስ 20 መጋቢት፣ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ሃገሩ ቀይሕ ባሕሪ ንምውናን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ክትፍጽም ድሌት ከምዘይብላዩ ገሊጹ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0