ስዑዲ ዓረብን ኢራንን፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይደን

RADIO ERENA – Tuesday, 29 October 2024

ስዑዲ ዓረብን ኢራንን፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዘካየዳ፣ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ብርጋዴር ጀነራል ቱርኪ ኣል ማሊኪ ሓቢሩ።

ንሱ፣ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣብቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዖማን ዝተኻያደ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ሓይሊ ባሕሪ ስዑዲ ዓረብ፣ ኢራንን ካልኦት ሃገራትን ከምዝተሳተፉ ጠቒሱ።

እንተኾነ፣ እተን ኣብቲ ልምምድ ዝተሳተፋ ሃገራት ይኹና ዝተኻየደሉ ዕለት ብንጹር ኣይጠቐሰን።

ይኹንምበር ሓይሊ ባሕሪ ሩስያውን ኣካል እቲ ልምምድ ከምዝነበረ ወትሃድራውያን ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ልምምድ ዝተሳተፉ ብዝሒ ወትሃደራትን ዓይነታት ኣጽዋርንውን ብዝርዝር ኣይተገልጸን።

ኢራን ብወገና፣ ንሓያሎ ዓመታት ተጻረርቲ ዝነበራ ሃገራት፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ምክያደን፣ ዝምድንአ ይመውቕ ከምዘሎ ብምግንዛብ፣ ኣብዚ ዝሓጸረ ግዜውን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተመሳሳሊ ልምምድ ከካይዳ መደብ ከምዘሎ ኣፍሊጣ።

ካብ እስራኤል ከቢድ መጥቃዕቲ ዝወርዳ ኢራን፣ ግብረ መልሲ ናይ ምሃብ ዓቕማ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ኣብ ዘለወሉ እዋንያ፣ ምስታ ምስ ኣመሪካ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ስዑዲ ዓረብ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዘካየደት ትገልጽ ዘላ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0