ስዊዘርላንድ፣ 260ኤርትራውያን ንምስጓግ ትደፍኣሉ

RADIO ERENA – Monday, 02 September 2024

ስዊዘርላንድ፣ ዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ ዝነትጽጉ 260 ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ንምስጓግ ትደፍኣሉ ከምዘላ መርበብ ዜና ኢንፎ ማይግራንት ሓቢሩ።

ፖለቲከኛታት ስዊዘርላንድ፣ ንምስጓግ እቶም ኤርትራውያን ብዝምልከት ተደጋጋሚ ዘተ ከካይዱ ጸኒሖምዮም።

መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ካብ ስዊዘርላንድ ዝምለሱ ዜጋትቱ ክቕበል ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ እዚ ደገፍ ባይቶውን ረኺቡ ዘሎ ምስጓግ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ግብራዊ ክኸውን ኣይከኣለን።

ነቶም ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንምስግጋሮም ዝብል እማመውን ብፖለቲከኛታት ሲውዘርልናድ ይቐርብዩ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ልዕሊ 40 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይነብሩ እኳ እንተለዉ፣ እቲ ዝያዳ ኣካራኻሪ ኮይኑ ዘሎ ግና ጉዳይ እቶም ሕቶ ዑቕባ ዝተነጽጉ ትሕቲ 300 ኤርትራውያንዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ድማ እቲ ጉዳይ ዳግም ተነሃሂሩ ብኣባላት ባይቶ ስዊዘርላንድ ይዝተየሉ ኣሎ።

ስዊዘርላንድ፣ ናብ ኤርትራ ብስሩዕ እናተመላለሰ ብዛዕባዚ ጉዳይ ዝዝቲ ፍሉይ ወኪል መዚዛ ከምዘላ ሓላፊት ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ክርስስትያን ቡርግነር ምሕባራ ይዝከር።

ኣንጻር ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ብዘለዎ የመናዊ ሰልፊ ዝወከሉ ፖለቲከኛታት፣ እቲ መስርሕ ናብ ግብሪ ክሰጋገርን ኣብ መፈጸምትኡ ክበጽሕን የኽእልዩ ዝበልዎ ሓድሽ እማመታት ብምቕራብ ድማዮም ንምስጓግ ኤርትራውያን ክቐላጠፍ ዝደፍእሉ ዘለዉ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0