ስዊዘርላንድ፣ ዘቅረብዎ ሕቶ ዑቕባ ዝተነፅጉ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ንምምላስ ዘቕረራብ ወኪል ናብ ኤርትራ ክትልእኽ’ያ

RADIO ERENA – Tuesday, 25 June 2024

ስዊዘርላንድ፣ ሕቶ ዑቕባ ንዝነጸገቶም ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ንምልላስ ኣብ ዝብል ዛዕባ ንምምይያጥ፣ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ክትሰድድ ምዃና ኣፍሊጣ።

ጸሓፊት ጉዳያት ኢምግሬሽን ስዊዘርላንድ፣ ክርስቲን ሽራነር፣ ሶንታግስ ብሊክ ምስ ዝተባህለት ጋዜጣ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ፣ እቲ ናብ ኤርትራ ዝልኣኽ ወኪል፣ ኣብ ጉዳይ ምምላስ ሕቶ ዑቕባ ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ብዝምልከት፣ ንክትልቲኤን ሃገራት ናብ ምርድዳእ ከብጽሕ ዝብል ተልእኾዩ ተዋሂብዎ።

ባይቶ ስዊዘርላንድ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጽደቖ፣ ዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ ንዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ንምስግጋር ዝብል ውሳኔ፣ ነቲ ምስ ኤርትራ ዝግበር ዝሕሰብ ዘሎ ምርድዳእ ከምዘይጻረርያ እታ በዓልቲ ስልጣን ኢምግሬሽን ኣረዲኣ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0