RADIO ERENA – Wednesday, 05 February 2025
ስዊዘርላንድ፣ ምስ ጉዳይ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዝተሓሓዘ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነበራት መደባት ልምዓት ከምዘቛረጸት ኣፍሊጣ።
መንግስቲ እታ ሃገር፣ ናብቲ ውሳኔ ዝበጽሐ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ሓቲቶም ግና ጉዳዮም ተቐባልነት ዘይረኽበ ኤርትራውያን፣ ናብ ኤርትራ ንምምላስ፣ መንግስቲ ኤርትራ ክተሓባበሮ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ‘ዩ።
ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ ተቐባልነት ዘይረኸበ ልዕሊ 300 ኤርትራውያን፣ ናብ ኤርትራ ንምስጓጎም እኳ እንተተወሰነ፣
መንግስቲ ኤርትራ ብዘይድሌቶም ንዝምለሱ ኤርትራውያን ክቕበል ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፣ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይከኣለን።
ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነበራ መደባት ልምዓታዊ ሓገዝ ብዝርዝር ኣይተጠቐስን።
ይኹን‘ምበር ከም ሞያዊ ስልጠና፣ ማህደረ ትምህርቲን ካልእ ዕድላትን ከምዝጠቓልል ይፍለጥ።
እዚ ውሳኔ ምቑራጽ ሓገዛት ልምዓታዊ መደባት፣ ንፍሉይ ስልጠና ናብ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ንኽጽንበሩ ናብ ስዊዘርላንድ ክልኣኹ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝጸሉ ድዩ ኣይኮነን ‘ውን ኣይተነጸረን።
እዚ ከምዚ‘ሉ እንከሎ፣ ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ዝነበራ መደባት ልምዓታዊ ሓገዝ ደው ከምዘበለት ኣብ ዝወሰነትሉ ዕለት፣ ፍሉይ ልኡኽ እታ ሃገር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሲልቭያን ኣስትየ፣ ናብ ኣስመራ ዑደት ብምክያድ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ምስ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ተዘራሪቡ።
============
COMMENTS