“ስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን፣ ብሑቲ መጥቃዕቲ ንዘጋጥመን መራኽብ ንምውሓስ ዝሕግዝ’ዩ” ሶማሊላንድ

RADIO ERENA – Tuesday, 28 May 2024

ሶማሊላንድ ምስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምጥቃም ኣፍደገ ባሕሪ ዝገበረቶ ስምምዕ ኣብቲ ጽዑቕ መስመር ማይ ቀይሕ ባሕሪ ብሑቲ መጥቃዕቲ ዘጋጥመን መራኽብ ንምውሓስ ዝሕግዝ ምዃኑ ፕረዚደንት እታ ሃገር ገሊጹ።

ኣብ 1991 ካብ ሶማልያ ናጽነታ ዝኣወጀት ግን ከኣ ዓለማዊ ተቐባልነት ዘይረኸበት ሶማሊላንድ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ:ኣምሳያኡ ንዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘይብላ ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህብ እዩ ስምምዕ ክልቲኤን ወገናት::

ሶማልያ ግን ነቲ ስምምዕ ብትሪ ብምቅዋም፣ ካብ ግዝኣታ ሓደ ኢንች’ውን እንተኾነ ብዝኾነ ወገን ከምዘይድፈር ገሊጻ።

“ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽን ንግዳዊ መራኽብ ክህልዋን፣ ኣምሳያኡ ድማ ኣፍልጦ ክትህበና እያ።እዚ’ዩ እቲ መሰረታዊ ስምምዕ” ክብል ሙሳ ዓብዲ ቢሀ ቅድሚ ሕጂ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ስምምዕ ምስ ሶማሊላንድ ንባሕሪ ንምብጻሕ ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ ጽግዕተኛነት ንምቅላል ዝሕግዝ መንገዲ ጌራ እያ እትርእዮ።

ሶማሊላንድ ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ ዲፒ ዎርልድ ናብ በርበራን ሰፊሕ ቁጠባዊ ዞባኣን 300 ሚልዮን ዶላር ኣውፊሩ’ሎ፣ እዚ ድማ ኣስታት 75 ሚእታዊት ኣታዊ መንግስቲ ሶማሊላንድ ይውክል።

እቲ ዕላማ ነቲ ቦታ ናብ ዞባዊ ማእከል ንግዲ ንምቕያር እዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0